ስፓርት

ስፓርት

ኢትዮጵያ ቡና ንሃድያ ሆሳእና ስዒራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዝያ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ መርሃ ግብሪ መበል 28 ሰሙን ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ÷ኢትዮጵያ ቡና ንሃድያ ሆሳና 1ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ስዒራ። ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ምሸት ሰዓት 12 ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ዲቫይን ዋቹኩዋ ብዘመዝገባ ሸቶ ኢትዮጵያ ቡና ሰለስተ ነጥቢ ሒዛ ወፂኣ፡፡ ከምኡ እውን ሎሚ ሰዓት 9 ኣብ ዝተኻየደ መርሃ ግብሪ እቲ ሊግ ኣዳማ ከተማን መቐለ 70 እንደርታን ብዘይሸቶ ማዕረ ምፍልላዮም ይፍለጥ፡፡   +2
Read More...

ኣዳማ ከተማን መቐለ 70 እንደርታን ማዕረ ተፈላልየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዝያ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ መበል 28 ሰሙን ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ኣዳማ ከተማ ምስ መቐለ 70 እንደርታ ዘካየድኦ ፀዋታ ብዘይ ሸቶ ማዕረ ተዛዚሙ። ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ እናተካየደ ዝርከብ መርሃ ግብሪ መበል 28 ሰሙን እንትቕፅል÷ ሰዓት 12፡00 ኢትዮጵያ ቡና ምስ ሃድያ ሆሳእና ክጋጠማ እየን፡፡

ኣሌክሳንደር ኣርኖልድ ካብ ናይ ቁልዕነት ክለቡ ከምዝፈላለ ኣረጋጊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዝያ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ትሬንት ኣሌክሳንደር ኣርኖልድ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ስፖርት ካብ ናይ ቁልዕነት ክለብ ሊቨርፑል ክወፅእ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ። ኣሌክሳንደር ኣርኖልድ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ከምዝጠቕዖ÷ ባዕሉ ኣብ ሓዱሽ ክለብን ኣብ ካልእ ቦታን ክፍትን ብምድላዩ ካብ ሊቨርፑል ክወፅእ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ። ናብ ሓዱሽ ክለብ ምኻዱ ዘለዎ…

ኣትሌት በሪሁ ኣረጋዊ ኣብ  ዳይመንድ ሊግ ሻንጋይ ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ  ዳይመንድ ሊግ ሻንጋይ ቻይና ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊቶም ። ኣትሌት በሪሁ ኣረጋዊ ብ5 ሺሕ ሜትሮ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ቀዳማይ ወፂኡ። እቲ ኣትሌት ብ12 ደቒቓን 50 ሰከንድን 45 ማይክሮ ሰከንድን ነቲ ውድድር ብምዝዛም ኢዩ ተዓዊቱ። ኣትሌት ኩማ ግርማን ኣትሌት…

ኣትሌት ፅጌ ዱጉማ ኣብ  ዳይመንድ ሊግ ሻንጋይ  ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣትሌት ፅጌ ዱጉማ ኣብ  ዳይመንድ ሊግ ሻንጋይ  ብ800 ሜትሮ ብዝተገበረ ውድድር ጒያ ዝበለፀ ሰዓት ብምምዝጋብ ተዓዊታ። ኣትሌት ፅጌ ነቲ ርሕቐት  1 ደቒቓን 56 ሰከንድን 64 ማይክሮ ሰከንድን ብዝኾነ ሰዓት ብምዝዛም ኢያ ተዓዊታ።

መርሃ ግብሪታት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ እውን ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 35 ሰሙን መርሃ ግብሪታት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ እውን ክካየድ ኢዩ። ኣብቲ ናይሎሚ መዓልቲ ዝካየድ ፀወታ፥ ኣርሰናል ምስ በርንማውዝ ምሸት ሰዓት 1፡30 ዘካይድኡ ፀወታ ልዑል ትፅቢት ይግበረሉ። ሰዓት  8፡30 ኣስቶንቪላ ምስ ፉልሃም ክፃወታ ኢየን። ሰዓት 11፡00 ድማ ኤቨርተን ምስ ኢፕስዊች ታውን…

ባህርዳር ከተማ ንኢትዮ ኤሌክትሪክ ስዒራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ መበል 27 ሰሙን ፕርሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ባህርዳር ከተማ ንኢትዮ ኤሌክትሪክ 2 ን 0 ብምስዓር ተዓዊታ። ጋንታ ባህርዳር ዝተዓወተትለን ሸቶታት ግርማ ዲሳሳን ቸርነት ጉግሳን ኣመዝጊቦምወን፡፡ ፀወታ እቲ ፕሪሚየር ሊግ እንትቕፅል ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ኢትዮጵያ ንግድ ባንክን መቻልን እናተፃወታ ይርከባ፡፡