ስፓርት
ኣብ ከተማ ኖርዊች ዝገርም ክእለቱ የርኢ ዘሎ ትውልደ ኢትዮጵያዊ ዓሊ አሕመድ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ምስ ካናዳዊ ቫንኩቨር ኋይትካፕ ን እንግሊዛዊ ኖርዊች ሲቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ መስኮት ዝውውር ዝተፀንበረ ትውልደ ኢትዮጵያ ዓሊ ኣሕመድ፣ ብኽእለቱ ንብዙሓት ይምስጥ ኣሎ።
ዓሊ ኣሕመድ ኣብ 2000 ኣብ ካናዳ ከተማ ቶሮንቶ ዝተወለደ እንትኾን ወለዱ ቅድሚ 30 ዓመት ካብ ሃረርጌ ናብ ካናዳ ብምኻድ ናብርኦም ኣብኡ ገይሮም፡፡
ኣብ ኣካዳሚ ክለብ ኩዕሶ እግሪ ቶሮንቶ ዝጀመረ ዓሊ፤ ኣብ መስኮት ዝውውር ወርሒ ጥሪ ካብ ክለብ ኩዕሶ እግሪ ሜጀር ሊግ ሶከሩ ቫንኩቨር ኋይትካፕ ናብ ክለብ…
Read More...
ናይ መወዳእታ ፀወታታት ምድብ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ …
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣርሰናልን ባየርንሙኒክን ኣቐዲመን ናብ ቀፃሊ ዙር ምሕላፈን ኣብ ዘረጋገፃሉ ናይ መወዳእታ ፀወታታት ምድብ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ ምሸት ክካየዱ ኢዮም፡፡
ካይራት ኣልማቲ፣ ስላቪያ ፕራግ፣ ቪያሪያልን ኣይንትራፍራንክፈርትን ካብቲ ውድድር ዝተሰናበታ እንትኾና፤ ዝተረፋ 30 ጋንታታት ናብ 16 ንምሕላፍ ሎሚ ምሸት ክነሓንሓ…
ኣብ ማንቼስተር ሲቲ ኣጀማምርኡ ዝሰመረሉ ኣንቶኒዮ ሴሜንዮ…
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ኣብ ጋንታ ቦርንማውዝ ብምድማቕ ደረጃኡ ክብ ብምባል ናብ ኢትሃድ ዘምረሐ ኣንቶኒዮ ሴሜንዮ ኣብ ማንቼስተር ሲቲ ብቕልጡፍ ክላመድ ክኢሉ ኣሎ፡፡
ካብ ጋናዊ ኣቡኡን ፈረንሳዊት እንኡን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2000 ኣብ እንግሊዝ ዝተወለደ ሴሜንዮ፤ ኣብቲ ሊግ ድሙቕ ምንቅስቓስ እናገበሩ ካብ ዝርከቡ…
ፓትሪክ ዶርጉ ንልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ካብ ሜጋ ዘርሕቖ ጉድኣት ኣጋጢሙዎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዴንማርካዊ ተፃዋታይ ጋንታ ማንቼስተር ዩናይትድ ፓትሪክ ዶርጉ ብዘጋጠሞ ጉድኣት ንልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ካብ ሜዳ ከምዝርሕቕ ተሓቢሩ።
እቲ ተፃዋቲ ማንቼስተር ዩናይትድ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ንኣርሰናል 3 ን 2 ኣብ ዝሰዓረትሉ ፀወታ ዘደንቕ ሸቶ ምምዝጋቡ ይዝከር።
ኣብቲ ፀወታ ጉድኣት ኣተኣናጊዱ ካብ ሜዳ ዝወፅአ ዶርጉ፥ በዚ…
ቅዱስ ጊዮርጊስን ምድረ ገነት ሽረን ማዕረ ተፈላሊየን
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 17 ሰሙን ፀወታ ሲቢኢ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ቅዱስ ጊዮርጊስን ምድረ ገነት ሽረን ብዘይሸቶ ማዕረ ተፈላሊየን፡፡
ቀትሪ ሰዓት 7 ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተገበረ ፀወታ ክልቲአን ጋንታታት ሸቶ እንተየመዝገባ ወፂአን፡፡
ኣብቲ ፀወታ ተፃዋታይ ምድረ ገነት ሽረ ስንታየሁ ወለጬ ብክልተ ብጫ ብቐይሕ ካርዲ ካብ…
ኣርሰናል ምስ ማንቼስተር ዩናይትድ ዝገብርዎ ፀወታ ሎሚ ክካየድ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሎሚ ኣብ ዝሳለጥ መበል 23 ሰሙን ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ኣርሰናል ምስ ማንቼስተር ዩናይትድ ዝገብርዎ ፀወታ ልዑል ትፅቢት ወሲዱ ኣሎ።
ኣርሴናል መሪሕነቱ ንምጥንኻር ዓሊሙ ሎሚ ኣብ ዝገብሮ ፀወታ ካብ ማንቼስተር ዩናይትድ ልዑል ንሕንሕ ከጋጥሞ ኢዩ ዝብሉ ግምታት ካብ ሰብ ሞያ ስፓርት ይቐርቡ ኣለዉ።
ኣብ ዝሓለፈ…
ማንቼስተር ዩናይትድ ንኮቢ ማይኑ ሓዱሽ ውዕል ንምቕራብ ድልዊ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ማንቼስተር ዩናይትድ ንኮቢ ማይኑ ንብዙሕ ዓማውቲ ኣብቲ ጋንታ ንምፅናሕ ዘኽእል ሓዱሽ ውዕል ንምቕራብ ድልዊ ከምዝኾነ ገሊፁ።
ወዲ 20 ዓመት እንግሊዛዊ ኣብ 2023 ዓ.ም.ፈ ካብ ኣካዳሚ ማንቼስተር ዩናይትድ ናብ ዓብዪ ጋንታ ማንቼስተር ዩናይትድ ድሕሪ ምዕባዩ ኣብ ዝገበሮም 87 ፀወታታት 7 ሸቶታት ኣቑፂሩ ኢዩ።
ይኹን…