ስፓርት

ስፓርት

ኩባንያ ፕሪሜር ሊግ ኢትዮጵያ ኣብ 5ይ ሰሙን ዝተርኣዩ ጉድለታት ስነ ምግባር ውሳነታት ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤትኪንግ ፕሪሜር ሊግ ኢትዮጵያ ኣብ 5ይ ሰሙን ዝተርኣዩ ጉድለታት ስነ ምግባር ውሳነታት ኣመሓላሊፉ። ኣመራርሓን ስነ-ስርዓትን ውድድር ሊግ እቲ ኩባኒያ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ÷ ኣብ 5ይ ሰሙን ዝተገበሩ ውድድራት ካብ ዳያኑን ተዓዘብቲን ዝቐረቡሉ ፀብፃብ ስነ ምግባር ብምምርማር ዝተፈላለዩ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ። ብብርኪ ተፃወትቲ ኩሊባሊ ከድር (ፋሲል ከነማ) ብቀይሕ ካርዲ ካብ ሜዳ ዝተኣለየ ምዃኑ ሪፖርት ስለዝቐረበሉ÷ 1 ፀወታ ክእገድን ካብዚ ብተወሳኺ 1 ሺሕን 500 ብር ቅፅዓት ገንዘብ ንኽኸፍልን…
Read More...

ኣስቶንቪላ ንኣሰልጣኒ ስቴቨን ጄራርድ ኣሰናቢታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)እንግሊዛዊት ጋንታ ኩዕሾ እግሪ ኣስቶንቪላ ንኣሰልጣኒ ስቴቨን ጄራርድ ከምዘሰናበተቶ ኣፍሊጣ። እታ ጋንታ ትማሊ ምሸት ብጋንታ ፉልሃም ኣብ ዝገበረቶ ፀወታ 3 ን 0 ምስዓራ ስዒቡ ኢዩ ኣሰልጣኒኣ ኣሰናቢታ ዘላ። ጄራርድ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ወርሒ ጥቅምቲ 2021 ናብ ቪላ ፓርክ ብምምፃእ ንጋንታ ኣስቶንቪላ ምስልጣን…

ቱርካውያን ኣምፃእቲ ሓፂንን ሓፂን ተንከፍ ኣቑሑትን ናብ ኢትዮጵያ ከቕርቡ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ጥቅምቲ ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቱርካውያን ኣምፃእቲ ሓፂንን ሓፂን ተንከፍ ኣቑሑትን ናብ ኢትዮጵያ ምስምዕመዖም ትካል ኣገልግሎት ትራንስፖርት ባሕሪን ሎጂስቲክስን ኢትዮጵያ ገሊ። እቲ ኣቕርቦት÷ ካብ ኣሊጋስ፣ ኢዝሚርን እስክንድሪያን ዝተብሃላ ወደባት ቱርኪ ብምብጋስ ሓፂን ሓፂን ተንከፍ ኣቑሑትን ምስ ዘቕርቡ ኣምፃእቲ ሓፂንን ተወካሊኦም ኣርካስን ብዝተገበረ…

ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ሃዲያ ሆሳእናን ኣዳማ ከተማን ዓወት ቀኒዑወን

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ካልኣይ ሰሙን ቤትኪንግ ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ጋንታታት ሃዲያ ሆሳእናብ ኣዳማ ከተማን ዓወት ቀኒዑወን። ሎሚ መዓልቲ ምሳሕ ሰዓትን ድሕሪ ሰዓትን ክልተ ፀወታታት ተኻይዶም፡፡ ብመሰረት እዚ ሰዓት 7 ጋንታታት ሃዲያ ሆሳእናን ሲዳማ ቡና ተራኺበን ሃዲያ ሆሳእና 4 ን 1 ብምስዓር ተዓዊታ፡፡ ሰዓት 10 ሰዓት…

ጋንታታት ወልቂጤ ከተማን ኢትዮጵያ መድንን ዓወት ቀኒዑወን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቤትኪንግ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ክልተ ፀዋታትት ኣተኣናጊዱ። ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዝተኻየደ ፈላማይ ፀወታ÷ ጋንታ ወልቂጤ ከተማ ኣብ ሓዱሽ ዓመት ውድድር ካልኣይ ዓወት ኣመዝጊባ፡፡ ወልቂጤ ንጋንታ ባህርዳር ከተማ ብብሕታዊት ሽቶ ተመስገን በጅሮንድ 1 ን 0 ስኢራ፡፡ 10 ሰዓት ኣብ ዝተኻየደን 7…

ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ትሕቲ 17 ዓመት ምስ ሶማሊያ መሰትኡ ሎሚ ክፃወት ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ትሕቲ 17 ዓመት ምስ ሶማሊያ መሰትኡ ሎሚ ክፃወት ኢዩ ። እቲ ውድድር ኣብ ዋንጫ ኣፍሪካ መፃረዪ ውድድር ሴካፋ ከምዝኾነ ተሓቢሩ። ኣብ ምድብ “ሀ” ዝተደልደለ ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ትሕቲ 17 ዓመት ሰዓት 10 ኣብ ስታዲየን ኣበበ ቢቂላ ፀወትኡ ከምዘካይድ ተሓቢሩ።…

ኣትሌት ያለምዘርፍ የኋላው ኣብ ውድድር ማራቶን ለንደን ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ያለምዘርፍ የኋላው ኣብ ውድድር ማራቶን ለንደን ተዓዊታ። ኣትሌት ያለምዘርፍ÷ ነቲ ርሕቐት 2 ሰዓት 17 ደቒቕን 25 ሰከንድን ብዝኾነ ገዘ ብምእታው ኢያ ተዓዊታ፡፡ ብተመሳሳሊ ኣብ ለንደን ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ደቂ ተባዕትዮ÷ ኣትሌት ልኡል ገብረ ሥላሴ ካልኣይ ከምኡ እውን ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ ሓምሻይ…