ስፓርት

ስፓርት

መበል 39 ውድድር ማራቶን ሻምበል ኣበበ ቢቂላ ዝቕፅል ሰንበት ክካየድ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 39 ውድድር ማራቶን ሻምበል ኣበበ ቢቂላ ዝቕፅል ሰንበት 18 ሰነ 2015 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝካየድ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። መበገሲኢን መዛዘሚኡን ኣብ ሰሚት ዝገብር እቲ ውድድር ማራቶን÷ ካብ 12 ክለባት፣ 2 ክልላትን 1 ምምሕዳር ከተማን ዝተውፃእፅኡ 354 ኣትሌታት ብክልቲኡ ፆታ ክሳተፉ ኢዮም። ነቲ ውድድር ልዕሊ 1 ሚሊየን ብር ከምዝሰናድአን ካብ 1ይ ክሳብ 8ይ ንዝወፅኡ ኣትሌታት ሽልማት ከምዝብርከትን ተገሊፁ፡፡ ኣትሌት ደጊቱ ኣዝመራው፣ ወርቅነሽ ኣለሙ፣…
Read More...

ውድድር ሻምፒዮና ብሽክለታ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ክልላትን ምምሕዳራት ከተማታትን ዝተሳተፍሉ ውድድር ሻምፒዮና ብሽክለታ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣሎ። ነቲ ውድድር፥ ፕሬዚዳንት ሻምፒዮና ብሽክለታ ኢትዮጵያ ወንድሙ ሃይሌን ሓላፊ ሽግግር ማሕበራዊ ልምዓት ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ክንደያ ገብረህይወትን (ፕ/ር) ኣጀሚረምዎ። ካብ 14 ክሳብ 18 ሰነ 2015…

ክርስቲያኖ ሮናልዶ ንብሄራዊ ጋንትኡ 200 ጊዜ ብምስላፍ ኣብ መዝገብ ክብረ ወሰን ዓለም ሽሙ ኣንቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ክርስቲያኖ ሮናልዶ ንብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ፖርቹጋል 200 ጊዜ ብምስላፍ ኣብ መዝገብ ክብረ ወሰን ዓለም ሽሙ ኣንቢሩ። ሮናልዶ ትማሊ ምሸትኣብ ኔሽንስ ሊግ ኣውሮፓ ፖርቹጋል ምስ ኣስላንድ ኣብ ዝተጋጠማሉ ፀወታ ንመበል 200 ግዘ ተሰሊፉ ተፃዊቱ። ኣብቲ ፀወታ ሸቶ ብምቑፃር ሃገሩ ክትዕወት ኣኽኢሉ ኢዩ። ነዚ ስዒቡ…

ብራዚላውያን ተፃወትቲ ዓሌትነት ንምቅዋም ፀሊም ማልያ ተኸዲኖም ናብ ሜዳ ኣትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ተፃወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ኣንፃር ጊኒ ኣብ ዘካየድዎ ምሕዝነታዊ ፀወታ ኩሎም ፀሊም ክዳን ብምልባስ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ንዝረአ ‘ዓሌትነት’ ዘለዎም ተቓውሞ ገሊፆም። ተፃወትቲ እታ ጋንታ ኣብ ቀዳማይ እብረ ፀዋታ፥ ፀሊም ጥራይ ተኸዲኖም ዝኣተዉ ዀይኖም ኣብ ካልኣይ እብረ ድማ መፍለዪ ጋንታ ብራዚል ዝዀነ ብጫ ብሰማያዊ ዝደመቐ…

ኣትሌት ለሜቻ ግርማ ኣብ ውድድር 3 ሺሕ ሜትሮ ውሽጢ ገዛ ዘመዝገቦ ዓወት ክብረ ወሰን ዓለም ብምዃን ፀዲቑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ለሜቻ ግርማ 15 ለካቲት 2023 ዓ.ም.ፈ ኣብ ፈረንሳይ ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር 3 ሺሕ ሜትሮ ውሽጢ ገዛ ዘመዝገቦ ዓወት ክብረ ወሰን ዓለም ብምዃን ፀዲቑ። ኣብ ወርልድ ኣትሌቲክስ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከምዘረድኦ፥  ኣትሌት ለሜቻ ነቲ ውድድር 7 ደቒቕ 23 ሰኮንድን ከ81 ማይክሮ ሰከንድን ብምእታው ቀዳማይ ኮይኑ ኢዩ…

ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ማራቶን ስዊድን ስቶክሆልም  ብክልቲኡ ፆታ ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ማራቶን ስዊድን ስቶክሆልም  ብክልቲኡ ፆታ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊቶም። ብመሰረት እዚ ብደቂ ተባዕቲዮ ኣትሌት ኣሸናፊ ሞገስ፣ ኣትሌት ደራራ ሁሬሳ፣ ኣትሌት ፀጋዬ መኮንን ብተኸታታሊ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሮም ዛዚሞም። ብደቂ ኣንስቲዮ ድማ፥ ኣትሌት…

ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ምስ ትካል ኣፍራዪ ዕጥቂ ጎፈሬ ሰነድ ስምምዕነት ከቲሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ምስ ትካል ኣፍራዪ ዕጥቂ ጎፈሬ ሰነድ ስምምዕነት ከቲሙ። ብመሰረት እቲ ውዕል፥ ንቐፃሊ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ንጋንታ ኩዕሶ እግሪ ክልቲኡ ፆታ ንውድድርን ልምምድን ዝኸውን ጥዕቂ ከቕርብ ኢዩ ተባሂሉ። ዋና ፀሓፊ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ባህሩ ጥላሁን፥ እቲ ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣብ…