ስፓርት

ስፓርት

ኣብ ፕሪሚየር ሊግ በእንግሊዝ ሎሚ መዓልቲ 5 ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 13 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ መዓቲ 5 ፀወታታት ካካየዱ ኢዮም፡፡ በዚ ድማ ምሸት ሰዓት 12 ብሬንትፎርድ ምስ በርንሌይ፣ ማንቼስተር ሲቲ ምስ ሊድስ ዩናይትድ ከምኡ እውን ሰንደርላንድ ምስ በርንማውዝ ፀወተአን ከካይዳ ኢየን። መርሃ ግብሪ እቲ ዕለት ቀፂሉ እንትካየድ ምሸት ሰዓት 2፡30 ኤቨርተን ምስ ኒውካስል ዩናይትድ ከምኡ እውን ምሸት ሰዓት 5 ቶተንሃም ሆትስፐር ምስ ፉልሃም ክራኸባ ኢየን። እቲ ሊግ ኣርሰናል ብ29 ነጥቢ እንትትመርሖ ቼልሲ ብ23 ከምኡ እውን…
Read More...

ስርሑ ዝዛረበሉ ኮከብ ኢንጎሎ ካንቴ…

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ንሱ ብዛዕባ ስርሑ ምንም ምዝራብ እንተየድለዮ ስርሑ ዝምስክረሉ ኮኸብ ኢዩ ፈረንሳዊ ተፃዋቲ ክፍሊ ማእኸል ኢንጎሎ ካንቴ፡፡ ናብ ፈረንሳይ ካብ ዝተሰደዱ ማላዊያን ወለዱ ኣብ ፓሪስ ዝተወለደ ኢንጎሎ ካንቴ፤ ብባህሪኡ ሓፋር ይኹን እምበር ኣብ ሜዳ ዝገብሮ ምንቅስቓስ ግን ብዝበለፀ ጎሊሁ ዝረአ ጀግንነቱን ሰዓራይነቱን ኢዩ፡፡…

ኢትዮጵያ ንኬንያ ብምስዓር ንምድባ ብፀብለልታ ዛዚማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መፃረዪ ውድድር ምብራቕን ማእኸላይን ኣፍሪካ (ሴካፋ) ትሕቲ 17 ዓመት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ንኬንያ መዘናኣ 1 ን 0 ርዒራ፡፡ በዚ ድማ ህም 17 ዓመት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ንምድባ ብፀብለልታ ብምዝዛም ናብ ፍርቂ ፍፃመ ክትሓልፍ ክኢላ፡፡ ኣብ ስታዲየም ኣበበ ቢቂላ ዝተኻየደ ፀወታ፥ ብሕታዊት ሸቶ ኢትዮጵያ…

ሲዳማ ቡና ንመቻል ስዒራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ 7ይ ሰሙን ፀወታ ሲቢኢ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ሲዳማ ቡና ንመቻል 2 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ስዒራ። ቀተወሪ ሰዓት 7፡00 ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ሲዳማ ቡና ዝተዓወተትለን ሸቶታት ያሬድ ባየህ ብፍፁም ቅፅዓትን ብፀወታን 2 ሸቶታት እንተመዝግብ፤ ብሕታዊት መቻል ኮሊያን ኮፊ ኣብዝጊቡዋ። መርሃ…

ቼልሲ ምስ ባርሴሎና ዝገብርዎ ትፅቢት ዝገበረሉ ፀወታ…

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ሓምሻይ ዙር መርሃ ግብሪ ሊግ ሻምፒየንስ ኣውሮፓ ቼልሲ ምስ ባርሴሎና ዝገብርዎ ፀወታ ልዑል ትፅቢት ይግበረሉ። እቲ ፀወታ ሎሚ ሰዓት 5፡00 ምሸት ዝጅምር እንትኸውን፥ ክልቲኦም ጋንታታት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ሊጋታቶም ዝገበርዎ ፀወታታት ብምስዓር ካብ ዓወት ምላሽ ዝገብርዎ ትፅቢት ዝግበረሉ ፀወታ ኢዩ። ኣብ ራብዓይ ዙር…

ማንቼስተር ዩናይትድ ምስ ኤቨርተን …

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 12 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ማንቼስተር ዩናይትድ ምስ ኤቨርተን ሎሚ ምሸት ክራኸባ ኢየን። ክልቲአን ጋንታታት ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ሕድሕድ ካብ ዝገበረኦ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ፀወታታት፤ ማንቼስተር ዩናይትድ ኣርባዕተ ግዘ እንትትስዕር፥ ኣብ ሓደ ፀወታ ማዕረ ተፈላሊየን። ናይ ክልቲአን ጋንታታት ፀወታ ምሸት…

ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ካፍ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ካፍ ፓትሪስ ሞትሲፒ (ዶ/ር) ዘቲዮም። እቶም ቀደማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ምስ ፕሬዚዳንት ካፍ ፓትሪስ ሞትሲፒ (ዶ/ር) ኣብ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪካን ኢትዮጵያ ኣብቲ ምዕባለ ዝህልዋ ግደን ዝጠመተ ውፅኢታዊ ዘተ ኣካይድና ኢሎም።…