ስፓርት

ስፓርት

ኢትዮጵያ ኣብ ፍፃመ ውድድር ደቂ ኣንስትዮ 3 ሺሕ ሜትሮ መሕንኩሎ ብክልተ ኣትሌታት ክትውከል ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፅባሕ ወጋሕታ ሰዓት 11፡45 ውድድር ፍፃመ ደቂ ኣንስትዮ 3 ሺሕ ሜትሮ መሕንኩሎ ክካየድ ኢዩ። ኣብቲ ፍፃመ ውድድር መቅደስ ኣበበን ወርቅውሃ ጌታቸውን ንኢትዮጵያ ወኪለን ክወደዳደራ ኢየን። ብካሊእ መዳይ ለይቲ ሰዓት 8፡25 መፃረዪ ውድድር 5 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ዝካየድ እንትኸውን፥ ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ፣ ጉዳፍ ፀጋይን ዳዊት ስዩምን ክሳተፋ ኢየን፡፡ ብካሊእ መርሃ ግብሪ ድማ ለይቲ ሰዓት 9፡20 ኣብ ዝካየድ መፃረዪ ውድድር ደቂ ተባዕትዮ 800 ሜትሮ ኤርሚያስ ግርማን ቶሎሳ…
Read More...

ሎሚ ወጋሕታ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍፃመ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮ ታደሰ ለሚ 8ይ ኮይኑ ዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ ንጉሆ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍፃመ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ታደሰ ለሚ 8ይ ብምውፃእ ውድድሩ ዛዚሙ። ውድድር ፍፃመ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮ ሎሚ መዓልቲ ወጋሕታ ሰዓት 11፡30 ተኻይዱ። ኢትዮጵያ ብኣትሌት ታደሰ ለሚ ዝተወከለት እንትትከውን፥ ሻምናይ ብምውፃእ ውድድሩ…

ኢትዮጵያ ኣብ ንመበል 18 ግዘ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም 2ይ ደረጃ ሒዛ ትርከብ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ኦሪጎን እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መበል 18 ግዘ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም 2ይ ደረጃ ሒዛ ትርከብ። ኢትዮጵያ ኣብቲ ሻምፒዮና ክሳብ ሕዚ 3 ወርቂን ሰለስተ ብሩርን ሜዳሊያታት ብምምፃእ ኢያ ካብ ኣሜሪካ ቀፂላ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትርከብ፡፡ ኣብ 10 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ለተሰንበት ግደይ ፈላማይ…

ብውድድር መሰናክል 3 ሺሕ ሜትሮ ኣትሌት ለሜቻ ግርማ ንኢትዮጵያ ሜዳሊያ ብሩር ኣምፂኡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ብውድድር መሰናክል 3 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ተባዕቲዮ ኣትሌት ለሜቻ ግርማ ንኢትዮጵያ ሜዳሊያ ብሩር ኣምፂኡ። ኣትሌት ለሜቻ ግርማ ነቲ ርሕቐት ብ8፡26.01 ብምዝዝም ካልኣይ ብምዃን ኢዩ ተዓዊቱ። ኣብቲ ውድድር ሞሮኮ ሜዳሊያ  ወርቂ፣ ኬኒያ ሜዳሊያ ነሓስ ረኺባ። ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ ኣብቲ ሻምፒዮና ሰለስተ ወርቂን ሰለስተ…

ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ብውድድር 1 ሺሕ 500 ሜትሮ ካልአይቲ ብምውፃእ ሜዳሊያ ብሩር ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 18 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ብውድድር 1 ሺሕ 500 ሜትሮ ደቂ ኣንስቲዮ ካልአይቲ ብምውፃእ ሜዳሊያ ብሩር ተዓዊታ። ብመሰረት እዚ ኢትዮጵያ ሳልሳይ መዳሊያ ብሩር ዓቲራ። ኣብቲ ውድድር ኬኒያ ወርቂ ብሪታኒያ ድማ ነሓስ ሜዳሊያ ረኺበን። ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ ሰለስተ ወርቂን ሰለስተ ብሩርን…

ኣትሌት ጎይቶም ገ/ስላሰ ኣብ ውድድር ፍፄመ ማራቶን ሻምፒዮና ዓለም ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ኣብ ውድድር ፍፄመ ማራቶን ደቂ ኣንስትዮ መበል 18 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኣትሌት ጎይተቶ ገብረስላሰ ንሃገራ ሳልሳይ ሜዳልያ ወርቂ አመዝጊባ፡፡ ቅድሚ ሰዓታት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ማራቶን ሜዳልያ ጎይተቶም ገብረስላሴ ብዓወት ዛዚማ። ጎይተቶም ገብረስላሴ፥ እቲ ርሕቐት 2 ሰዓት 18 ሰከንድን 11 ማይክሮ…

ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኬኒያ ኣብ ልዕሊ ለተሰንበት ጊደይ ዘቕረቦ ክሴታ ተነፂጉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኬኒያ ኣብ ልዕሊ ለተሰንበት ጊደይ ዘቕረቦ ክሴታ ተነፂጉ። ኣብ ወድድር 10 ሺሕ መሄትሮ ደቂ ኣኒስትዮ ኣብ ናይ መወዳእታ ካልኢታት ኣትሌት ለተሰንበት ንሄለን ኦቢሪ ብኩርንዓ ወቒዓ ብዘብል ኬኒያ ንዓለም ለኸ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ቅርታ ኣቕሪባ። ይኹን እንበር ለተሰንበት ንሄለን ኣብ ወወዳእታ እቲ ውድድር…