ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ሁዋዌ ራኢ ዲጂታል ኢትዮጵያን ብሄራዊ ዕላማታት ሸቶታት ልምዓትናን ንምዕዋት ኣብ እንገብሮ ፃዕሪ ልዑል ኣበርክቶ የበርክት ኣሎ ኢሎም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓዱሽ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ሁዋዌ ኣብ ኢትዮጵያ ብምዃን ኣብ ቀረባ እዋን ስራሕ ምስ ዝጀመሩ ኤሪክ ዩዋን ተዛትዮም።
ኣብ ጉዕዞ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ምስ ሁዋዌ ብምትሕብባር፣ ኣብ ብሄራዊ ዋንነት፣ ዘላቕነት፣ ኣብ መምርሒታት ድሕንነት ከባብያዊ ክብርታትን ፈጠራን ብምድራኽ ዝሰርሑ ዓውዲታት ምትሕብባር ዘተ ከምዝገበሩ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፆም ኣፍሊጦም።
ሁዋዌ ራኢ ዲጂታል ኢትዮጵያን ብሄራዊ ዕላማታት ልምዓትናን ንምዕዋት ኣብ እንገብሮ ፃዕሪ፤ ብፍላይ ኣብ መሰረተ ልምዓት ኣይሲቲን ዓውዲ ርክባትን ልዑል ኣበርክቶ ይገብር ከምዘሎ ገሊፆም።
ዋና ፈፃሚ ስራሕ ሁዋዌ ኤሪክ ዩዋን ብግደኦም፤ መንግስቲ ንጉዕዞ ዲጂታል ኢትዮጵያ ንምቕፃልን ንምቅልጣፍን ዝሰርሖም ዘሎ ናይ ለውጢ ዲጂታላይዜሽን ስራሕቲ ኣዝዮም ዘተባብዑ ምዃኖም ኣብሪሆም።
ህንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚን ብልዑል ቅልጣፈ ኣብ ዝዓብየሉ ዘሎ እዋን፣ ሁዋዌ እውን ኣብዚ ዕቤት ዝግብኦ ግደ ክፃወትን ዘለና ርክብ ስራሕ ኣጠናኺርና ክንቅፅልን ከምዝተሰማምዑ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፆም።