ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣዲስ ኣበባ ብፕሮግራም ሰፈራ ሰባት ሕቡራት መንግስታት (UN-Habitat) ምስ ቻይና ብምትሕብባር ዝተዳለወ ናይ 2026 ዓ.ም.ፈ መዓልቲ ከተማታት ዓለም “ሸንሃይ ኣዋርድ” ሽልማት ተዓዊታ።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈዎ መልእኽቲ፤ እዚ ዓወት ንኣዲስ ኣበባ ጥራሕ ዘይኮነስ ንመላእ ኢትዮጵያ ዓብዪ ኩርዓት እዩ ኢለን።
ብፕሮግራም ሰፈራ ሰባት ሕቡራት መንግስታት (UN-Habitat) ምስ ቻይና ብምትሕብባር ዝተዳለወ ሽልማት ሸንሃይ ዘላቒ፣ ኣካታቲ፣ ሰብ ተኮርን ፅኑዕን ልምዓት ከተማ ዘረጋገፁ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ንዝፈፀሙ ሓሙሽተ ከተማታት ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ዝወሃብ ዓለም ለኻዊ ኣፍልጦ ምዃኑ ገሊፀን።
በዚ ድማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ 2026 ካብተን ሽልማት ዝረኸባ ከተማታት ሓንቲ ኮይና ኣላ ዝበላ እተን ከንቲባ፤ እታ ርእሰ ከተማ ቅድሚ ሕዚ ኣብ 2024 ብUN-Habitatን ከተማ ሴኡል ደቡብ ኮርያ ዝተዳለወ “ሽልማት ከተማ ሴኡል” ከምዝተዓወተት ኣዘኻኺረን።
እዞም ተኸታተልቲ ኣፍልጦታት፤ ኣብ ልምዓት ከተማ ዝተሰርሑ ስራሕቲን ዓለም ለኻዊ ተወዳዳራይነትን እታ ከተማን ዘመልክቱ እዮም ኢለን።
እቲ ሽልማት ሸንሃይ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ዝተፈፀሙ ስራሕቲ ልምዓት ከተማ ውፅኢታዊነቶም፣ ዘላቕነቶምን ንነበርቲ ዘለዎም ረብሓን ዓለም ለኻዊ ኣፍልጦ ከምዝረኸቡ ዘርኢ እዩ ኢለን።