ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ስዕረት ኣተኣናጊዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ መፃረዪ ውድድር ፅዋዕ ኣፍሪካ ብሃገራዊት ጋንታ ሴኔጋል 1 ብ 0 ተሳዒራ።

ዋሊያታት ኣብ ስታዲየም ባሕር ዳር ምስ ሃገራዊት ጋንታ ሴኔጋል ኣብ ዝገበርዎ ናይ 2027 ፅዋዕ ኣፍሪካ መፃረዪ ውድድር ናይ ምድብ 2ይ ፀወታ ዓወት ክረኽቡ ኣይከኣሉን።

ኣብቲ ፀወታ ኢብራሂም ምባዬ ኣብ 11 ደቒቕ ዘመዝገባ ሸቶ ሃገራዊት ጋንታ ሴኔጋል ዓወት ክትረክብ ኣኽኢልዋ።

ኣብዚ ምድብ ሞዛምቢክ ንሱዳን 4 ብ 1 ብዝኾነ ሰፊሕ ፍልልይ ሸቶ ዝሰዓረት ኮይና፤ ሴኔጋል ብፍልልይ ሸቶ ብምብላፅ ምድቡ ብ4 ነጥቢ ክትመርሕ ጀሚራ።

Comments (0)
Add Comment