ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ 5ይ ሰሙን ሲቢኢ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ቅዱስ ጊዮርጊስ ንኢትዮ ኤሌክትሪክ 1 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ስዒራታ።
ሎሚ ቀትሪ ሰዓት 9 ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ እቲ ፀወታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ዝተዓወተትላ ብሕታዊት ሸቶ ቢላል ገመዳ ኣብ መበል 80 ደቒቕ ኣመዝጊቡዋ።
ብተመሳሳሊ ሰዓት ኣብ ዝተኻየደ ካሊእ ፀወታ፤ ሃዋሳ ከተማ ንጋሞ ጨንቻ 2 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ስዒራ።