ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሃገራዊ ለኸ ደረጃ ፅርየት ምግቢ ኣብዚ ዓመት ሙሉእ ብሙሉእ ተግባራዊ ንምግባር እናሰርሐ ምዃኑ በዓል መዚ ምግብን መድሓኒትን ኣፍሊጡ፡፡
ግዴታ ደረጃ ዝወፀሎም ፍርያታት ምግቢ ካብ በዓል መዚ ወፃኢ ኣብ ሳልሳይ ኣካል ሃገር ለኸ ምርግጋፅ ፅርየት ዝረኽብሉ ኣሰራርሓ ይትግበር ከምዘሎ ተገሊፁ።
በዙይ መሰረት ሃገር ለኸ ደረጃ ፅርየት ምግቢ ኣብዚ ዓመት ሙሉእ ብሙሉእ ተግባራዊ ንምግባር እናተሰርሐ ምዃኑ ምክትል ዋና ዳይሬክተር ዓውዲ ምግቢ እቲ በዓል መዚ ነጋሽ ስሜ ንፋና ዲጂታል ተዛሪቦም፡፡
ንኣብነት ዘይቲ ምግቢን ሕርጭ ስርናይን ብንጥረ ነገር ክምዕብሉ ከምዘለዎም ዘግድድ ኣሰራርሓ ተግባራዊ ከምዝኾነ ብምሕባር፣ ነዚ ከይዲ ስዒቡ ንዕዳጋ ዝቀርቡ ፍርያታትም ምልክት ፅርየት ከምዝወሃቦም ኣብሪሆም።
ሕብረተሰብ ግዴታ ደረጃ ዝወፅኦም ፍርያታት ምግቢ ቅድሚ ምግዝኡ እዞም ምልኽታት ኣብ መዐሸጊ ምህላዎም ከረጋግፅ ከምዘለዎ ኣገንዚቦም፡፡
ንዕዳጋ ዝቀርቡ ፍርያት ፀባ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዝድለ መልክዑ ፅርየቱ ሓልዩ ንሕብረተሰብ እናበፅሐ ዘይምዃኑ ከም ኣብነት ኣልዒሎም፡፡
ብከይዲ ፋብሪካ ዝሓልፉ ፍርያታት ፀባ ብተመሳሳሊ መረጋገፂ ፅርየት ምልክት እናሃበ ምዃኑ ኣይተ ነጋሽ ገሊፆም፡፡
መረጋገፂ ፅርየት ምልክት ተግባራዊ ዝተገበረሎም ፍርያት ምግቢ ዘይቲ ምግቢ፣ ሕሩጭ ስርናይ፣ ጨው፣ ዝተዓሸጉ ማይ፣ ፀባ፣ ኦቾሎኒን ለስላሳ መስተን ምዃኖም ኣረዲኦም፡፡
ብሃይለማርያም ተገኝ