ሃገር በቆል ፍልጠት ንዓወት ሃገራዊ ዘተ…

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዙርያ ዓለም ዝርከባ ሃገራት ፖለቲካዊ ቅልውላው፣ ማሕበራዊ ምክፍፋልን ጎንፂታትን ንምስጋር ገሊኦም ኣብ ሕጋዊን ፖለቲካዊን ምምሕያሻት ጠመተ እንትገብር ካልኦት ድማ ብሃገራዊ ዘተ ኣቢሉ ሓባራዊ ፍታሕ ንምድላይ ፈቲኖም እዮም።

ሃገራት ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ኣብ ዝገብርኦ ከይዲ ፖለቲካዊ ውሳነታት ጥራይ ምሉእ ፍታሕ ከምፅእ ኣይኽእልን።

ብፍላይ ድማ ህዝብታት ንዘመናት ዘዕበይዎ ሃገር በቆል ፍልጠትን ክብርታትን ብምጥቃም ልቢ ሰባት ምፍዋስን ማሕበራዊ ርክብ ዳግማይ ምህናፅን ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ ማሕበረሰባት ንብዙሕ ወለዶታት ብተግባር ዝተፈተኑ፣ ብተሞክሮ ዝተሃነፁን ብባህሊ ዝተወርሱን ሃገር በቆል ፍልጠታት፣ ጎንፂታት ብዘተ ንምፍታሕ ዕርቂ ንምምፃእ፣ ማሕበረሰብ ንምትዕራቕን ድሕሪ ጉድኣት ሓባራዊ ናብራ ዳግማይ ንምህናፅን የኽእሉ።

ሃገር በቆል ፍልጠት ብምጥቃም ጎንፅታት ኣብ ምፍታሕ ልምዲ ካብ ዘለወን ሃገራት ደቡብ ኣፍሪካ ሓንቲ እያ። ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ኣፓርታይድ፣ እታ ሃገር ብቦቆል ወይ ብሓይሊ ዘይኮነስ ብዘተን ምርድዳእን ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ክትሰግር ኣኽኢልዋ።

“ኣነ ስለ ዘለኹ ንስኻ ኣለኻ፤ ንስኻ ስለ ዘለኻ ኣነ ኣለኹ” ዝብል ጥንታዊ ክብሪ ደቡብ ኣፍሪካ፣ ስሩዕ ሃገራዊ መድረኽ ዘተ እንተዘይኮነ፣ መንፈስ ዕርቂ፣ ሓባራዊ ምስምማዕ፣ ይቕረታን ብሓባር ምንባርን ዝሃነፀ ባህላዊን ስነ-ምግባራዊን መሰረት ኮይኑ ኣገልጊሉ።

በዚ መሰረት ድማ እዋን ኮሚሽን ሓቂን ዕርቅን ክቐውም ከሎ ሂደት ፍርዲ ኣብ ምግላልን ምቕፃዕን ጥራይ ዘይኮነስ ዝተበላሸዉ ርክባት ብምሕዳስን ማሕበራዊ ፈውሲ ብምምፃእን ክተኩር ዘኽኣለ ሃገር በቆል ሞራላዊ ክብሪ እዩ።

ተሞክሮ ደቡብ ኣፍሪካ ሃገር በቆል ፍልጠት ዘበናዊ ትካላት መንግስቲ ብእምነት፣ ምትእምማንን ማሕበራዊ ቅቡልነትን ንምጥንካር ወሳኒ ተራ ከምዝፃወት ጠቓሚ ትምህርቲ ይህብ።

ኢትዮጵያ እውን ንዘመናት ዝፀንሑ ብዙሓት ሃገር በቆል ልምድታት ምፍታሕ ጎንፂታት ምስ ዘበናዊ ሕጋዊን ፖለቲካዊን ትካላት ብምውህሃድ፣ ነቲ ንህዝባዊ ዘተ ዘድሊ እምነትን ምትእምማንን ንምጥንካር ዓብዩ ግደ ክትፃወት ትኽእል እያ።

እዞም ጥንታውያን ክብርታት፣ ዘበናዊ ኣወዳድባ መንግስቲን ልዕልና ሕግን ዝድግፉ፣ ንህዝባዊ ዘተታት ዕምቆትን መንፈሳዊ ፅንዓትን ዝህቡ ተወሳኺ ሃብቲ ተባሂሎም ክውሰዱ ይግባእ።

በዚ መሰረት ኢትዮጵያ ታሪኻዊ ጎንፂታት ብዘላቕነት ንምፍታሕ፣ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዘካየደቶ ምልላይ ኣጀንዳ ብዓወት ዛዚማ ሕዚ ኣብ ታሪኻዊን ወሳኒ ምዕራፍ ትርከብ ኣላ።

ካብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ማሕበረሰብ ዝተወከሉ ተሳተፍቲ ዝሳተፍዎ ሃገራዊ ጉባኤ ምኽክር ድማ መርኣያ ናይዚ ተግባራዊ ሂደት እዩ። እቲ ከይዲ ምሉእ ብምሉእ ኣካታቲን ፍትሓውን ንክኸውን ዝተፈላለዩ ርእይቶታት ዘለዎምን ካብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ማሕበረሰብ ዝመፁን ተወከልቲ ይሳተፉ ኣለዉ።

እዚ ታሪኻዊ ዘተ እምነትን ተሳትፎን ዜጋታት ብምዕባይ፣ ፍልልያት ብሰላማዊ ዘተ ንምፍታሕ ዓብዩ ዕድል ዝፈጥር እዩ። ከምኡ’ውን ሃገር በቆል ፍልጠት ምስ ዘበናዊ ኣወዳድባ መንግስቲ ብምውህሃድ ዝተሓባበረትን ሓድነታ ዝፀንዐን ሃገር ንዝቕፅል ወለዶ ንምውራስ የኽእል።

ስለዚ ንዓወት እዚ ዓብዩ ሃገራዊ ዕላማ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ፣ ፖለቲካዊ ፓርቲን ካልኦት ተሳተፍቲ ኣካላትን ናቶም ኣወንታዊ ኣስተዋፅኦ ከበርክቱ ይግባእ።

ብዮናስ ጌትነት

Comments (0)
Add Comment