ህይወት ብዙሓት ሰባት ዘስእን ዘሎ ሓደጋ ትራፊክ …

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሓደጋ ትራፊክ ኣብ ዓመት ህይወት ልዕሊ 3 ሽሕ ሰባት ኣስኢኑ አሉ ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣፍሊጡ።
ኣብ ክልል ኦሮሚያ ሎሚ መዓልቲ ምክልኻል ሓደጋ ትራፊክ ኣብ ከተማ ሻሸመኔ ይኽበር ኣሎ።
ሚኒስትር ዲኤታ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን በርኦ ሓሰን ከምዝበልዎ፥ መንቀሊ ሓደጋ ትራፊክ ብፍላይ ድማ መሰረተ ልምዓት መንገዲ ንምትዕርራይ ዝተወሰደ ስጉምቲ ብዙሕ ውፅኢት የምፅእ ኣሎ፡፡
ሓደጋ ትራፊክ ንምንካይ ብዙሕ ስራሕቲ ዋላ እኳ እንተሰርሐ ሕዚ እውን ብዙሕ ክስራሕ ከምዘለዎ ኣረዲኤን፡፡
ድሕነት ተሽከርከርቲ ኣብ ምርግጋፅን ብዙሕ ክስራሕ ከምዘለዎን ኩሉ ሰብ ቆላሕታ ክገብር ከምዘለዎንሓቢሮም
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
Comments (0)
Add Comment