ሓይሊ ኣየር ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝፍነዉ መጥቃዕቲታት ብምፍሻል ታሪኽ ይሰርሕ ኣሎ – ሌ/ጀነራል ይልማ መርዳሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ዘበናዊ ዓቕሚታት ቴክኖሎጂ ብምጥቃምን ዓቕሚ ሓይሊ ሰብ ብምዕባይን ኣብ ልዕሊ ሃገር ዝፍነዉ መጥቃዕቲታት ብምፍሻል ታሪኽ ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ሌተናል ጀነራል ይልማ መርዳሳ።

ሌተናል ጀነራል ይልማ መርዳሳ መበል 91 ዓመት ምስረታ ሓይሊ ኣየር ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፤ ብዓወት ዝቐፀለ ሓይሊ ኣየር ዘመናዊ ዓቕሚታት ቴክኖሎጂ ብምጥቃምን ዓቕሚ ሓይሊ ሰቡ ብምዕባይን ኣብ ልዕሊ ሃገርና ዝተኣልሙ መጥቃዕቲታት ብምፍሻል ታሪኽ ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።

መበል 91 ዓመት በዓል ምምስራት ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ፤ “ብዓወትን መስዋእትነትን ዝደመቐ ደጀን ሰማይ ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ 20ን 21ን ሕዳር 2019 ዓ.ም ከምዝኽበር ገሊፆም።

20 ሕዳር 2019 ዓ.ም ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ብዙሓት ፐሮፌሽናል ኣትሌታት ዝሳተፉሉ ናይ 10 ኪሎ ሜትሮ ጉያ ጎደና “ሓይሊ ኣየርና መመክሒና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ከምዝካየድ እውን ኣብሪሆም።

ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ በቢዓመቱ ዝካየድ ዓለመ ለኸ ውድድር ጉያ ጎደና ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ዝተሓበረ እንትኸውን፤ መበል 91 ዓመት በዓል ምስረታ ሓይሊ ኣየር ክብሪ ዝተውሃቦ ቲሸርት እውን ብሌተናል ጀነራል ይልማ መርዳሳ ብወግዒ ከምዝተመረቐ ኦንላይን ሚድያ ሰራዊት ምክልኻል ንፋና ዲጂታል ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ የመላኽት።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment