ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ድሕንነት ጥዕና ህዝቢ መሰረት ሓቀኛ ሉዓላዊነት እዩ ኢሎም ኣቦ ወምበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ።
5ይ ዓለም ለኸ ጉባኤ ጥዕና ህዝቢ ኣፍሪካ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ተኸፊቱ።
ኣቦ ወምበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፤ ጥዕና መሰረት ኢኮኖሚያዊ ምዕባለ፣ ምርግጋእን ድሕንነትን ኣፍሪካ ምዃኑ ኣገንዚቦም።
ኣፍሪካ ሉኣላውነት ጥዕናኣ ንምርግጋፅ ንፁር ዕላማ ሒዛ ትሰርሕ ከም ዘላ ገሊፆም።
ሓገዝ ዓለም ለኸ ፋይናንስ እናነከየ ምምፅኡ፤ ኣፍሪካ ንሓደጋታት ዘለዋ ተቓላዕነትን ብሄራዊ ስርዓታት ጥዕና ድኽመት ከምዘርአየ ብምሕባር፤ ሉኣላውነት ጥዕና ሕብረተሰብ ንምርግጋፅ ክስራሕ ከም ዘለዎ ኣመልኪቶም።
ድሕንነት ጥዕና ሕብረተሰብ መሰረት ሓቀኛ ሉኣላዊነት እዩ ኢሎም።
ስርዓት ጥዕና ኣብ ወፃኢ ሃፍትን ካልኦት ባጀታትን ጥራሕ ተመርኲሱ ብዘላቒነት ክሰርሕ ስለ ዘይክእል፤ ኣፍሪካ ባዕላ ንኽትኽእል ስጉምቲ ክትወስድ ከም ዘለዋ ኣገንዚቦም።
እቲ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣጀንዳ ድሕንነትን ሉኣላዊነትን ጥዕና ምፅዳቑ ብምሕባር፤ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ኣብ ኣክራ ጋና ዝተኻየደ ፍሉይ ኣኼባ ክሳብ 2030 ተግባራዊ ዝኸውን ኣዋጅ ኣክራ ምፅዳቑ ኣዘኻኺሮም።