ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓዱሽ ዓመት 2014 ዓ.ም ኢትዮጵያ ናይ መከራ ግዜኣ ሓሊፋ ብስራት ዓወት ትሰምዐሉ ዓመት ከምዝኸውን እምነቶም ምዃኑ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝነብሩ ኢትዮጵየውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያን ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ኣብ 2013 ዓ.ም ኣብ ውሽጢ ፀገምን መከራን ዝሓለፈትሉ ፈታኒ እዋን ከምዝነበረ እቶም ኣባላት ዳያስፖራ ተዛሪቦም፡፡
2014 ዓ.ም ግን እዚ ዘጨንቕ እዋን ብምሕላፍ ዓወታ ተረጋግፀሉ ዓመት ክኸውን ኢዩ ዝብል ተሳፋ ከምዘለዎም እው ገሊፆም፡፡
ኢትዮጵያ ኣብ ሓዱሽ ዓመት ክብ ከምትብልን ኢትዮጵያውያን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ከምዝሳገሩን ዘለዎም እምነት ገሊፆ።
ዝመፅእ እዋን ብርሃን ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ብተስፋ፣ ፍቕሪ፣ ብሓቆስ፣ ብምክባባር፣ ብምትሕስሳብን ዘለዎም ንዝተፀገሙ ወገናት ብምክፋልን ሰናይ ተግባሮም ዘርእዩሉ ዓመት ክኸውን ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።