ሓዱሽ ዓመት ካብ ዘጋጠሙና ፈተናታት ወፂእና ዓወት ንምምዝጋብ ብትኹረት ንሰርሐሉ ኢዩ – ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰን

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓዱሽ ዓመት ቅድሚ ሕዚ ካብ ዘጋጠሙና ፈተናታት ወፂእና ዓወት ንምምዝጋብ ብፍሉይ ትኹረት ንሰርሐሉ ኢዩ ክብሉ ርእሰ መምሕዳር ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰን ገሊፆም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር በዓል ሓዱሽ ዓመት 2014 ዓ.ም ምኽንያት ብምግባር ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያን እቲ ከልልን መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም፡፡

ዝተዛዘመ 2013 ዓ.ም ከም ሃገር ይኹን ከም ክልል ብዙሓት ፈተናታት ዘጋጠሙሉ፥ ብኻሊእ መዳይ ድማ ኢትዮጵያውያን ንህልውና ሃገሮም ሓድነቶም ዘርአዩሉ ከምዝነበረ ገሊፆም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ብዙሓት ናይ ውሽጢን ወፃኢን ሓይሊታታት ጥፍኣት ኢትዮጵያ ንምፍራስ ልዑል ፃዕሪ ይግበሩ እምበር ብሓድነት ኢትዮጵያውያን ፃዕሮም ዝፈሸለሉ ዓመት ከምዝነበረ ኣይተ ኣሻድሊ ኣብሪሆም፡፡

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኢትዮጵያ ንምፍራስ ስለዝተለዓለ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት እዛ ሃገር ልኡኻቱ ኣዋፊሩ ጉድኣት ኣብፂሑ ኢዩ ዝበሉ እቶም ርእሰ ምምሕር፥ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ንምድምሳስ ኢትዮጵያውያን ብሓባር ተላዒሎም ኢዮም ኢሎም፡፡

ስለዝኾ ድማ እዚ ዓመት ኣብ ውሽጢ ብዙሓት ፈተናታት ሓድነትና ዝበለፀ ተጠናኺሩ ዝተረኣየሉን ኢትዮዘጵያውያን ኣብ እዋን ፀገም ብሓባር ደው ከምዝብሉ ዘርአዩሉ ከምዝኾን ገሊፆም፡፡

ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያን ክልል ቤኒንሻጉልን ሓዱሽ ዓመት ዓመተ ሰላም፣ ምትሕስሳብ፣ ምርድዳእ፣ ካብ ዘጋጠሙ ፀገማት ወፂኦም ዓወት ዘመዝግቡሉ ንኽኸውን ዘለዎም ሰናይ ትምኒት ምግላፆም ካብ ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment