ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኲሓ ንልዕሊ 1 ሺሕ ሕሙማት ናፃ ሕክምና መጥባሕቲ ከውሊ ዓይኒ ክህብ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ዝርከብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኲሓ ንልዕሊ 1 ሺሕ ሕሙማት ናፃ ሕክምና መጥባሕቲ ከውሊ ሞራ ዓይኒ ክህብ እዩ።

እቲ ሆስፒታል ምስ ኤችሲፒ ዝተብሃለ ትካል ግብረ ሰናይ ብምትሕብባር ነቲ ሕክምና ከም ዝህብ ኣካያዲ ስራሕ እቲ ሆስፒታል ኣይተ መረሳ ገ/ስላሴ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ካብ 21 ክሳብ 26 ሕዳር 2019 ዓ.ም እቲ ናፃ መጥባሕቲ ክወሃብ እዩ።

ኣብ ክልል ትግራይ ዝነብሩን ፀገም ሕማም ከውሊ ሞራ ዓይኒ ዘለዎምን ሰባት በበቲ መርሃ ግብሪ ተጠቀምቲ ከምዝኾኑ ኣይተ መረሳ ኣፍሊጦም።

እቲ ሆስፒታል ካብ 2000 ዓ.ም ጀሚሩ ጥዕና ሕሙማት ሕማም ከውሊ ሞራ ዓይኒ ንምምላስ ይሰርሕ ምህላዉ ብምዝኽኻር፤ ክሳብ ሕዚ ኣስታት 80 ሺሕ ሕሙማት ኣገልግሎት ከም ዝረኸቡ ሓቢሮም።

ኣብ መላእ ትግራይ ዝርከቡ ሕክምና ሕማም ከውሊ ሞራ ዓይኒ ዝደልዩ ሰባት፤ ኣብ ቀረባኦም ናብ ዝርከብ ጥዕና ጣቢያ ብምኻድ ተመዝጊቦም ናብቲ ሆስፒታል ብምቕራብ ኣገልግሎት ክረኽቡ ከም ዝኽእሉ ኣመልኪቶም።

ተሓከምቲ ካብቲ ናፃ ሕክምና ብተወሳኺ ኣገልግሎት ትራንስፖርትን ምግቢን ከም ዝረኽቡ እውን ኣብሪሆም።

ብግዛቸው ግርማዬ

Comments (0)
Add Comment