ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ምስ ኣቦ ወምር ጉጅለ ድርድር ኣፍሪካ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ተመራፂ ፕሬዚዳንት ኮፕ32ን ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ምስ ኣቦ ወምበር ጉጅለ ድርድር ኣፍሪካ ኣንትዊ-ቦኣሲያኮ ኣሞኣ (ዶ/ር) ተዛቲዮም።

ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ኣብ ኣንታልያ እተኻየደ ኣብ ዝርከብ ጉባኤ ኮፕ31 ጎድና ጎድኒ እቲ ጉባኤ እዮም ክልተኣዊ ዘተ ኣካይዶም።

እቲ ዘተ ኣብ ሞንጎ ሃገራር ኣፍሪካ ቀዳምነት ዝወሃቦም ጉዳያት ማለት እውን ምስ ምስምዕማዕ ለውጢ ክሊማ፣ ፋይናንስ ክሊማ፣ ፍትሓዊ ስግግርን ኣፈፃፅማን ዘድሀበ እዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ብብሄራዊ ዝተወሰኑ ኣበርክቶታተንን ኣፈፃፅማ ብሄራዊ ትልምታተንን ብዝበለፀ ሓገዝ ንኽረኽባ ከምኡ እውን ስጉምትታት ክሊማ ንቀዳምነታት ልምዓት ኣፍሪካ ዝምልሱ ክኾኑ ኣገዳሲ ምዃኑ ከምዝተመያየጡ ተሓቢሩ።

ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝገለፁዎ፤ ኢትዮጵያ ምስ ጉጅለ ድርድር ኣፍሪካ ብቐረባ ንምዝታይ ቆራፅ ከምዝኾነት ኣረጋጊፆም።

ኣብ ጉባኤ ኣንታልያ ዕዉት ውፅኢት ምምዝጋብ ኣብ ከይዲ ድርድር ብዙሕ ወገናት ዝተሳተፉሉ እምነት ምጥንኻርን ካብ ቃል ናብ ተግባር ምስግጋርን ወሳኒ ምዃኑ ኣፅንኦት ሂቦም።

#COP31 #COP32 #AfricaForClimate #fanamediacorporation

Comments (0)
Add Comment