ሕብረት ኣውሮፓ ዘተኣማምን መሓዛ ኢትዮጵያ ኢዩ – ፕሬዚዳንት ታዬ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ሕብረት ኣውሮፓ ዘተኣማምን መሓዛ ኢትዮጵያ ኢዩ ኢሎም።

ፕሬዚዳንት ታዬ ምስ ኮሚሽነር ዓለም ለኸ ምትሕብባር ሕብረት ኣውሮፓ ጆሴፍ ሲከላ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮፓን ዘሎ ዘበናት ዝተሳገረ ዲፕሎማሲያዊ ምሕዝነት ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ዘትዮም።

እቲ ሕብረት ሓምለዋይ ልምዓት ሓይሊ ኢትዮጵያ ብምድጋፍ እናበርከቶ ንዝርከብ ኣስተዋፅኦ ምስጋና ዘቕረቡ ፕሬዚዳንት ታዬ፤ ኣብ ቀፃሊ እውን ዕድላት ልምዓት ኢትዮጵያ ብምጥቃም ሕብረት ኣውሮፓ ንመናእሰይ ፈጠራ ዕድል ስራሕን ሓበራዊ ተረባሕነትን ሃናፂ ግደ ንኽዋፅኡ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮፓ ዘተኣማምንን ተኣማንነት ዘለዎን ምሕዝነት ሓበራዊ ዕቤት ብዘቐፅል መልክዑ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ እውን ኣፅንኦት ሂቦም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

ኮሚሽነር ጆሴፍ ሲከላ ብግደኦም÷ ኢትዮጵያ ዘተኣማምን ዕቤት ኢኮኖሚ እናሃነፃ ካብ ዝርከባ ሒደት ሃገራት ዓለም ሓብቲ ኢያ ኢሎም።

እቲ ሕብረት ንልምዓት ኢትዮጵያ ዝውዕል ሓገዝ ገንዘብ ንምቕራብ ከምዝወሰነ ብምርግጋፅ፤ መፃኢ ዕድል ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪካን ንኣውሮፓ ኣድላዪ ስለዝኾነ ብሓባር ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment