ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ምምላስ ሓበራዊ ዕቤት ሃገራት እቲ ዞባ ዘረጋግፅ ኢዩ።
ሕቶ ምውናን በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንሓባራዊ ተረባሕነት፣ ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳርን ምትሕብባር ፀፅታን ብምርግጋፅ ንዞባዊ ሰላምን ምዕባልን ወሳኒ ምላሽ ዝጠልብ ፍትሓዊ ኣጀንዳ እዩ።
ኢትዮጵያ ነዊሕ ታሪኽን ብዙሕ ህዝብን ዘለዋ ሃገር እኳ እንተኾነት፣ ብዘይ በሪ ባሕሪ ምንባራ ኣብ ዕቤት ኢኮኖሚኣ ዓብዪ ፀቕጢ ኮይኑዋ ኣሎ።
በሪ ባሕሪ ዘይምህላው ንንግዳዊ ምንቅስቓስን ሎጂስቲክስ ወፃኢታትን ይውስኽ፤ ምርካብ በሪ ባሕሪ ድማ ጉዳይ ህልውናን ፍትሕን እዩ።
እዚ ሕቶ ናይ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ናይ መላእ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ደህንነትን ዕድገትን ዝውስን ቁልፊ ጉዳይ እዩ።
ዘተኣማምንን በሪ ባሕሪ ምርካብ፣ ምጉዕዓዝ ኣቑሑትን ንግድን ወፃኢታትን ብልዑል ብርኪ ይንኪ።
ወደባት ብሓባርን ብፍትሓዊ መንገድን እንተልምዑ ንቀርኒ ኣፍሪካ ናይ ኢንቨስትመንትን ንግድን ምስፍሕፋሕ ሰፊሕ ዕድል ይኸፍቱ።
ምትእስሳር ሃፍቲን ንግዲን እውን ሃገራት ተተሓሒዘን ንኽምዕብላ የኽእለን።
ጥንኩር ሓይሊ ባሕሪን ውዳበ ድሕንነትን ኣብ ቀይሕ ባሕሪን ከባቢኡን ዘጋጥሙ ዘይሕጋዊ ተግባራት ንምክልኻል ይግዝ። ናይ ባሕሪ ሽፍትነት፣ ግብረ ራዕዲን ዘይሕጋዊ ዝውውር ጦር መሳርሒን ብሓባር ንምቁፅፃር የኽእል።