ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ተረባሕነት ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ሕዚ ጥራሕ ዘይኮነ ንመፃኢ ወለዶ ዕድል ዝውስን ጉዳይ እዩ ክብሉ ምሁራን ዓለም ለኸ ርክብን ታሪኽን ገሊፆም፡፡
ኢትዮጵያ ዘልዐለቶ ሕቶ በሪ ባሕሪ ብታሪኽ ኣጋጣሚ ዝተፈፀሙ ጌጋታት ዝእርም ውሳነ ብምዃኑ ዝተጀሚሩ ፃዕሪታት ክጠናኸሩ ከምዝግባእ እቶም ምሁራት ኣገንዚቦም፡፡
ተመራማሪን ምምሕዳር ዓለም ለኸ ጉዳያት ታሪኽ ዩኒቨርሲቲ ዲላ ኣብዱ መሓመድ (ዶ/ር) መንግስቲ ዝጀመሮ በሪ ባሕሪ ናይ ምርካብ ፃዕሪ ምርግጋዕ ከባቢ ዘምፅእ ምዃኑ ተዛሪቦም፡፡
ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ኣብቲ ቀጣና ኣለኒ ትብሎ ሕቶ በዓል ዋናነት መልሲ ክረኽብ በሪ ዝኸፍት ምዃኑ ገሊፆም፡፡
መምህርን ተመራማሪን ዓለም ለኸ ርክብ ታሪኽን ዩኒቨርሲቲ ኣርባ ምንጭ ሰይድ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብግዲኦም÷ ኢትዮጵያ ብዝተሰሓሓተ ያታን ሽርሒን ካብ ተረባሕነት ቀይሕ ባህሪ ምንፃላ ኣዘኻኺሮም፡፡
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኢትዮጵያ ንዘመናት ሰኢናቶ ዝፀንሐት ሕቶ ተረባሕነት በሪ ባሕሪ ዳግማይ ንምርካብ እናገበረቶ ዘላ ህልኽ ዘውድእ ፃዕሪ ዲፕሎማሲ ተቐባሊነት ምምፅኡ ተዛሪቦም፡፡
መንግስቲ ዝኽተሎ ዘሎ ኣካይዳ ዲፕሎማሲ እታ ሃገር ኣብቲ ቀጣና ዘለዋ ተደማፅነት ዘዕብይን ንዘመናት ዝፀንሐ ሕቶ በሪ ባሕሪ ብሰላማዊ ጉዳይ መልሲ ክረክብ ከምዝኽእል ሓቢሮም፡፡
መንግስቲ ዲፕሎማስያዊ ፃዕሪ ንምድጋፍ ዜጋታት ውሽጣዊ ሓድነትን ሰላምን ብምሕላው ግዲኦም ክዋፅኡ ከምዘለዎም ምሁራን ምስ ፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት ኣገንዚቦም፡፡
ብኢብራሂም ባዲ