ኣዲስ ኣበባ፣ ሚያዝያ 15፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) መረፃ ንጠንካራ ፖለቲካዊ ስርዓትን ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ወሳኒ እዩ ኢሎም ምሁራት።
መምህር ዩኒቨርስቲ ጅማ ፍቃዱ ቶሎሳ (ዶ/ር) ምስ ፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት ከምዝበልዎ፤ መሰል ምምራፅ ብግቡእ ምጥቃም ተኣማንነት ዘለዎ ፖለቲካዊ ስርዓት ኣብ ምህናፅ ልዑል ግደ ኣለዎ።
ብብዙሕ ድምፂ ዝተመረፀ መንግስቲ ተኣማንነት ዘለዎን ኣብ ሰላም፣ ልምዓትን ሓድነትን ሃገርና ኣወንታዊ ፅልዋ ከምዘሕድር ኣብሪሆም።
ኣብ መድረኻት ክርክር ፖለቲካዊ ውድባት ዝዝርግሑ ንሃገር ዝጠቕሙ ሓሳባት ናይ ሓባር ምርድዳእ ብምፍጣርን ካብ ጎንፂታት ብምውጋድን ንህንፀት ሃገር መሰረት ክኾኑ ምዃኖም ኣብሪሆም፡፡
ኣብ ዩኒቨርስቲ ጅማ መምህር ሕጊ ሃና ሰቦቃ ብወገኖም፤ ድልዱል ሃገር ንምህናፅ ዲሞክራስያዊ መሰል ድምፂ ብግቡእ ምጥቃም ወሳኒ ምዃኑ ኣብሪሆም።
ብወርቅኣፈራው ያለው