ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ከይዲ ህንፀት ሃገር መራኸብቲ ሓፋሽ ንምጥንኻርን ሓበራዊ ያታ ንምህናፅን ብትኹረት ንኽሰርሑ ፃውዒት ኣቕሪቡ።
እቲ በዓል መዚ ካብ ትካላት ሚዲያ ምስ ዝተውፃእፅኡ ተወከልቲ “መራኸብቲ ሓፋሽ ንህንፀት ሃገርን ንቀረፃ ኣመለኻኽታ ማሕበረሰብን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘተ የሳልጥ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ዳይሬክተር ጀነራል ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሴን፤ መራኸብቲ ሓፋሽ ብዝሰርሑዎም ስራሕቲ ምምሕያሻት ከምዘለዉ ብምግላፅ÷ ዝሐሸ ዓቕሚ ንኽህልዎም ክስራሕ ኢዩ ኢሎም።
ነዚ ድማ በወገን መንግስቲ ሓገዛት ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ኢዮም ዝበሉ ኣምባሳደር ሬድዋን÷ ኣብ መራኸብቲ ሓፋሽ ዝረኣዩ ክፍተታት ንምትዕራቕን ጥንኩር ጎኒታት ንምቕፃልን እቲ በዓል መዚ መድረኽ ዘተ ምምችቻዉ ኣመልኪቶም።
ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ሃይማኖት ዘለቀ ብግደአን÷ መራኸብቲ ሓፋሽ እዋናዊን ተኣማኒን መብፅሒታት ተበፃሒ ካብ ምግባር ሓሊፉ ማሕበረሰብ ንምቕራፅን ህንፀት ሃገረ መንግስቲን ወሳኒ ብፅሒት ከምዘለዎም ኣልዒሎም።
በዚ መዳይ ድማ ሚዲያታ ሓበራዊ ያታታት ህዝቢ፣ ውልቀ፣ ክልልን ማሕበረሰብን ኣብ ምህናፅ እጃሞም እናተዋፅኡ ከምዝኾኑ ገሊፀን።
ኣብቲ መድረኽ ዘተ ተወከልቲ ማሕበረሰብ ሬዲዮ፣ ቴሌቪዥንን ትካላት ሚዲያ ክልላትን እናተሳተፉ እንትኾኑ÷ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ፀብፃብ ትሕዝቶ መራኸብቲ ሓፋሽ ክትትልን ዝንባለ ትንተናን ቀሪቡ።
ብእዮናዳብ ኣንዱዓለም