መርሃ ግብሪ መጀመሪ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ምክያድ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ መርሃ ግብሪ መጀመሪ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ምክያድ ጀሚሩ፡፡

እዚ ታሪኻዊ መድረክ ኢትዮጵያ ኣብ ሞንጎ ህዝባ ብዝፍጠር ዘላቒ ምርድዳእን ሓበራዊ ብሄራዊ ያታን ንኽትህነፅ ዘኽእል ወሳኒን ታሪኻዊን ከይዲ ህንፀት ሃገር ኢዩ።

ጎድና ጎድኒ እቲ ዝተጀመረ መርሃ ግብሪ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ምስ ኣመራርሓ ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ብምዃን፣ ጉዕዞ ኣርባዕተ ዓመት ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ዘርኢ ኤግዚቢሽን ጎብኒዮም።

እቲ ኤግዚቢሽን እቲ ኮሚሽል ካብ ዝተጣየሸሉ እዋን ጀሚሩ ዝሓለፎም ምዕራፋት፣ ዝወገኖም ምድላዋት፣ ዘጋጠሙዎ ማሕለኻታትን ዝተመዝገቡ ዋና ዋና ዓወታትን ብስፍሓት ዘርኢ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ ጉባኤ ብዕሊ ምጅማሩ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ፀገማታ ብዘተ ደቃን ክቢ ጠረጴዛን ብንግግር ንምፍታሕ ንዝጀመረቶ ጉዕዞ ዓብዪ ምዕራፍ ኢዩ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment