መበል ሻድሻይ ምርኢት ንግዲ ፌዴሬሽን ነጋዶ ደቂ ኣኒስቲዮ ኮሜሳ ፅባሕ ክጅምር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል ሻድሻይ ምርኢት ንግዲ ፌዴሬሽን ነጋዶ ደቂ ኣኒስቲዮ ሓበራዎ ንግዲ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ(ኮሜሳ) ፅባሕ ክጅምር ኢዩ።

ክሳብ 1 ግንቦት 2017 ዓ.ም ኣብ ዝፀንሕ እቲ ምርኢት ንግዲ ካብ 21 ኣባል ሃገራት ኮሜሳ ዝተውፃእፅኣ ልዕሊ 300 ደቂ ኣኒስቲዮ ፈጠርቲ ስራሕን ነጋዶን ክሳተፋ ኢየን ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብምትሕብባር ሚኒስቴር ንግዲን ቀጣናዊ ዝምድናን ኮሜሳን ዝተሰናድአ መበል ካልኣይ ፎረም መትሓዚ ገንዛበ ትካላት ኮሜሳ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ይካየድ ኣሎ።

እቲ መድረኽ፥ ከም ኣህጉር ሓደሽቲ ራእያት ቢዝነስ ብምትብባዕ ቀፃልነት ዘለዎ ዝምድና ንግዲን ኢንቨስትመንትን ንምጥንኻር ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።

ብዘቢብ ተኽላይ

Comments (0)
Add Comment