ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 16 መዓልቲ መዓልቲ ሰንደቅ ዕላማ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ይኽበር ኣሎ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ፣ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎን ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገርን ተረኺቦም፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ኣባላት ክልቲኦም ኣቢያተ ምኽሪ፣ ኣባላት ማሕበር ጥንታዊ ኢትዮጵያ ጀጋኑ ሓርበኛታትም ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን ተሳቲፎም።
እቲ ዕለት “ብራኸ ሰንደቕ ዕላማና ዋሕስ ህብረ-ብሄራዊ ሓድነትናን ሉኣላዊነትናን ኢዩ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ እናተኸበረ ዝርከብ፡፡
ብፍቅርተ ከበደ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com