ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) መበል 90 ዓመት ምስረታ በዓል ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ብዓወት ምዝዛሙ ኣመልኪቱ መርሃ ግብሪ ምስጋና ተኻይዱ።
እቲ ክብረ በዓል ንምዕዋት እጃሞም ንዘወፈዩ ኣባላት ሰራዊት ሓይሊ ኣየርን ስቪል ሰራሕተኛታትን ፍሉይ መርሃ ግብሪ ተኻይዱ፡፡
ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ሌተናል ጄኔራል ይልማ መርዳሳ ኣብቲ እዋን፤ ኣከባብራ እቲ በዓል ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ዘኹረዓ ተግባር ምዃኑ ገሊፆም።
እቲ ትካል ኣብ 90 ዓመት ጉዕዞ ታሪክ ዘመዝገቦ ዓወታት ውፅኢት ፅንዓትን ፍቕሪ ሃገርን ምዃኑ ብምግላፅ፣ እቶም ኣባላት ዘርኣይዎ ተቆራፅነት ንሉኣላውነት ሃገር ዘተኣማምን ውሕስና ከምዝኾነን ምክልኽል ኦንላይን ሚድያ ንፋና ዲጂታል ገሊፁ።
መበል 90 ምስረታ በዓል እቲ ሓይሊ ኣየር ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ብቴክኖሎጂ ዝማዕበለ፣ ብሓይሊ ሰብ ዝሰልጠነን ብሓድነት ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ንዓለም ዳግማይ ዘርኣየ ተግባር ኾይኑ ምዝዛሙ ኣረዲኡ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!