ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ጉባኤ ብራዚል-ኣፍሪካ ይሳተፉ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ መበል ካልኣይ ጉባኤ ውሕስነት ምግቢ፣ ምክልኻል ጥምየትን ልምዓት ገፀርን ብራዚል-ኣፍሪካ ይሳተፍ ኣሎ።

ኣብ ዋና ከተማ ብራዚሊያ ዝተጀመረ እቲ ጉባኤ፥ ኣብ መንጎ ሃገራት ኣፍሪካን ብራዚለን ብግብርና፣ ውሕስነት መግቢ፣ ንግዲን ዘላቒ ልምዓትን ጭቡጥ ምዕባለ ንምምፃእን ምትሕብባር ንምጉልባትን ዝተሰናደአ ኢዩ ተባሂሉ።

ንክፍለ ኢኮኖሚ ግብርና ሰፊሕ ረብሓ ከምዘለዎ እውን ተገሊፁ።

‎እቲ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ዝተመርሐ ልኡኽ፥ ጎድኒ ንጎድኒ እቲ ጉባኤ መስ ምክልት ፕሬዚዳንት ብራዚልን ሚኒስትር ኢንዱስትሪን ልምዓትን ጀራልድ ሮድርጌዝ ኣልካሚን ዘቲዩ።

ኣይተ ተመስገን፥ ኩለ መዳይ ምትሕብባርን ካልኦት ስሉጥ ለውጢ ዘምፅኡ ኣሰራርሓታትን ንምትግባር ብሓበራዊ ኣንፈት ምቕማጦም ተዛሪቦም።

እቶም ምክትል ፕሬዚዳንት ብግደኦም፥ ስሉጥ ምዕባለን ኣብ እወንታዊ ከይዲ ዝርከብ ፍሪያት ውሽጢ ዓዲን ኢትዮጵያ ዘለዎ ምንቕቓሕ ንኢዶም።

ሃገሮም፥ ኢትዮጵያ ብእትፍለጠሉ ጠንካራን ዘበናዊን ዓውዲ ኣቪዮሽን ብሓባር ምስራሕ ባህጊ ከምዘለዋ ኣረጋጊፆም።

‎ብፍሬህይወት ሰፊው

Comments (0)
Add Comment