ስራሕቲ ፕሮጀክት ግድብ መገጭ ካብ ዝነበሮ ፀገም ኣፈፃፅማ ክወፅእ ጀሚሩ – ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር  መስኖን ቆላማ ከባቢ ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ስራሕቲ ፕሮጀክት ግድብ መገጭ መንግስቲቲ ብዝሃቦ ፍሉይ ትኹረት ካብ ዝነበሮ ፀገም ኣፈፃፅማ ክወፅእ ጀሚሩ ኢሎም።

እዋናዊ ኣፈፃፅማ እቲ ፕሮጀክት ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ተገምጊሙ።

በዚድማ እቲ ፕሮጀክት ቅድሚ ሕዚ ዝነበሮ መሰረታዊ ፀገም ተፈቲሑ ሕዚ ዘለዎ ኣፈፃፅማ ኣብ ፅቡቕ ደረጃ ከምዝርከብ ተራኢዩ።

ሚኒስትር መስኖን ቆላማ ከባቢ ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር)፤ ንዓመታት ህንፀቱ እናተጓተተ ዝነበረ ስራሕቲ ፕሮጀክት ግድብ መገጭ መንግስቲቲ ብዝሃቦ ፍሉይ ትኹረት ካብ ዝነበሮ ፀገም ኣፈፃፅማ ክወፅእ ጀሚሩ ኢሎም።

ብተደጋጋሚ ህዝቢ እናልዐሎ ዝነበረ ሕቶ መንግስቲ ብዘላቕነት ንምፍታሕ ብዝሰዶ ለውጢ ምሕደራ ፕሮጀክት ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ፅቡቕ ኣፈፃፅማ ይርከብ ኢሎም፡፡

እቲ ፕሮጀክት ብፅሬትን ብቕልጣፈን ንኽዛዘም ልዑል ክትትል እናተገበረ ከምዝኾነ እውን ምስ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት ተዛሪቦም።

ብምናለ ኣየነው

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment