ስርዓተ ቀብሪ ኣርቲስት ኪዳኔ ምስጋናው ሎሚ መዓልቲ ክፍፀም ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ኣማኻሪ ፋና 80 ኩለመዳይ ናይ ጥበብ ሰብ ኣርቲስት ኪዳኔ ምስጋናው ብዘጋጠሞ ሕማም ብሕክምና እናተሓገዘ ፀኒሑ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።

ኣርቲስት ኪዳኔ 23 ግንቦት 2018 ዓ.ም ካብዛ ዓለም ብሞት ዝተፈለየ እንትኸውን÷ ስነ ስርዓት ቀብሩ ድማ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣማኑኤል ቤተክርስቲያን ክፍፀም ኢዩ።

እቲ ኣርቲስት ብሞያ ኣብ ዘገልገለሉ ሃገር ፍቅር ቴኣትር ስድርኡ፣ መሓዙቱ፣ ናይ ሞያ መሳርሕቱን ኣድነቕቱን ኣብ ዝተረኸቡሉ ስነ ስርዓት ምፍናውን ምብራህ ሽምዓን ካብ ሰዓት 3:00 ጀሚሩ እናተኻየደ ይርከብ።

Comments (0)
Add Comment