ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ስትራተጂካዊ ምትሕብባር ኢትዮጵያን ሩስያን ጉዕዞ ምዕባለ ሃገርና ኣዚዩ ዘቀላጥፍ እዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ኣብ ሞስኮ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ሳልሳይ ጉባኤ ሩስያ-ኣፍሪካ ብምስታፍ መልእኽተይ ከመሓላልፍ ብምኽኣለይ ልዑል ሓጎስ ይስምዐኒ ኢሎም።
ኣብዚ ታሪኻዊ መድረኽ እነሕልፎም ውሳነታት ጭቡጥ ውፅኢት ንኸመዝግቡ፣ ሓባራዊ ቆራፅነትን ምትሕብባርን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ክብሉ እውን ኣገንዚቦም።
ኢትዮጵያ ንዘላቒ ምዕባለን ሃገራዊ ዕቤታን መሰረት ኣብ ዝኾኑ ሰለስተ ቀንዲ ዓንዲታ ትኹረት ገይራ ትሰርሕ ከምዘላ ብምሕባር፤ እቶም ዓንዲታት ውሕስና ምግቢን መፍረያይነትን፣ ብዘተኣማምን ቀረብ ሓይሊ፣ ከምኡ እውን ምትሕልላፍ ክእለትን ፍልጠትን ዝምልከቱ ተግባራት ምዃኖም ገሊፆም።
ዲፕሎማስያዊ ርክብ ኢትዮጵያን ሩስያን ልዕሊ ሓደ ክፍለ ዘበን ዘቑፀረ፣ ኣብ ምክብባርን ሓባራዊ ረብሓን ዝተመስረተ ታሪኻዊ ምሕዝነት ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።
እዚ ምሕዝነት ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምስግጋር ምስ ሩስያ ብሓባር ዓለም ለኸ ደረጃኡ ዝሓለወ መፈልፈሊ ሓይሊ ኒውክሌር ንምህናፅ ዘኽእሉ ተግባራት ብቆራፅነት እናካየድና ንርከብ ኢሎም።
እዚ ስትራተጂካዊ ምትሕብባር ኣማራፂታት ሓይሊና ካብ ምስፋሕ ሓሊፉ ጉዕዞ ምዕባለ ሃገርና ብልዑል ብርኪ ዘቀላጥፍ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ዘጠናኽር ከምዝኸውን እውን ገሊፆም።