ስፓርት

ስፓርት

ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ኳታር ኣብ ዝሳለጥ ውድድር ዳይመንድ ሊግ ክሳተፉ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ኳታር ዶሃ ኣብ ዝሳለጥ ውድድር ዳይመንድ ሊግ ክሳተፉ ኢዮም። ኣትሌት ለሜቻ ግርማ ኣብቲ ውድድር ሰፊሕ ግምት ዕዉትነት ዝተውሃቦ ኮይኑ ኣሎ። ብተወሳኺ ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ዮሚፍ ቀጀልቻን ሰለሞን ባረጋን፣ ሞሮኳዊ ሶፊያን ኤል ባካልን ኬንያዊ ጢሞቲ ቸሪዮትን ኣብ ውድድር 3 ሺሕ ሜትሮ ከምዝሳተፉ ካብ ኣትሌቲክስ ዓለም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦ ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana ድረ ገፅና…
Read More...

ፍራንክ ላምፓርድ ጊዜያዊ ኣሰልጣኒ ቼልሲ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሰልጣኒ ፍራንክ ላምፓርድ ጊዜያዊ ኣሰልጣኒ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ቼልሲ ብምዃን ከምዝተቖፀረ እቲ ጋንታ ኣፍሊጡ። ላምፓርድ ካብ ቼልሲ ካብ ዝባረር ድሕሪ ክልተ ዓመት ብግዚያዊነት ዝተቖፀረ እንትኸውን ክሳብ እዚ ውድድር ዓመት መወዳእታ ብጊዜያዊ ኣሰልጣንነት ከምዝፀንሕ ተገሊፁ። ብተወሳኺ ነበር ኮኾብ ተፃዋታይ እቲ ጋንታ…

ኣሰልጣኒ ብሬንዳን ሮጀርስ ካብ ሌስተር ተሰናቢቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታ ሌስተር ሲቲ ንኣሰልጣኒ ብሬንዳን ሮጀርስ ከምዘሰናበተቶም ኣፍሊጣ። ሓለፍቲ እታ ጋንታ ብዝገበሩዎ ምኽክር ምስቶም ኣሰልጣኒ ንምፍልላይ ከምዝወሰኑ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡ ክለቡ በብሬንዳን ሮጀርስ መሪነነት በዚህ የውድድር ዓመት በሊጉ አስከፊ ውጤት እያስመዘገበ እንደሚገኝም ተገልጿል ጋንታ ሌስተር ሲቲ፥ ኣብ ውድድር ሊግ…

ኣትሌት ኣበጀ ኣያና ኣብ ማራቶን ፓሪስ ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ኣበጀ ኣያና ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን ፓሪስ ተዓዊቱ። ኣትሌት ኣበጀ ነቲ ውድድር ብ2 ሰዓት 7 ደቒቕን 14 ሰከንድ ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ኢዩ ተዓዊቱ። ካሊእ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ጉዬ ኣዶላ፥ 2 ሰዓት 7 ደቒቕን 35 ሰከንድን ብምእታው ካልኣይ ብምዃን ውድድሩ ከምዝዛመ ሬውተርስ ፀብፂቡ፡፡ ኬንያዊ…

ጋንታታት ትግራይ ክሳብ 24 ጉንበት ሪፖርት ንኸቕርባ ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታታት ኩዕሾ እግሪ ትግራይ ክሳብ 24 ጉንበት ሪፖርት ንኸቕርባ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ እቲ ክልል ሓቲቱ። ኣብቲ ክልል ብምኽንያት ዘጋጠመ ኲናት ካብ ውድድር ርሒቐን ዝፀንሓ ጋንታታት ትግራይ፥ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ምስ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ እቲ ክልል ምኽክር ገይረን፡፡ ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ኣብ ልዕሊ እተን ክለባት…

ሊዮኔል ሜሲ ንሃገሩ መበል 100 ሸቶኡ ኣመዝጊቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሌዮኔል ኣንድሬስ ሜሲ ንሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና መበል 100 ሸቶኡ ትማሊ ኣመዝጊቡ። ሜሲ ሃገሩ ኣርጀንቲና ንደሴት ካረቢያ ኣብ ሳንቲያጎ ዴል ኤስትሮ 7 ን 0 ኣብ ዝሰዓረትሉ ፀወታ ሰለስተ ሸቶታት ብምምዝጋብ ሃትሪክ ሰሪሑ፡፡ ተዓዋቲ 7 ግዘ ሽልማት ባሎን ዲ ኦር ሊዮኔል ሜሲ፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2006…

ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ ውድድር መፃረዪ ፅዋዕ ኣፍሪካ ብጊኒ ተሳዒራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ ውድድር መፃረዪ ፅዋዕ ኣፍሪካ ብጊኒ መዘነኣ ተሳዒራ። ካብ ምድባ ራብዓይ ፀወታ ዘካየደት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ፥ ብጊኒ 3 ን 2 ክትሰዓር ክኢላ። ኪየታ፣ ሞሪባን ጊላቮጊን ጊኒ ንኽትዕወት ሸቶታት ኣመዝጊቦም። ከነኣን ማርክነህን ኪቲካ ጀማን ድማ ናይ ኢትዮጵያ መፅናዕንዒ ሸቶታት…