ስፓርት

ስፓርት

ባህር ዳር ከተማ ኣብ ካልኣይ ዙር ቅድመ መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ኮንፌዴሬሽን ኣፍሪካ ዓወት ቀኒዑዋ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታ ባህር ዳር ከተማ ኣብ ካልኣይ ዙር ቅድመ መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ኮንፌዴሬሽን ኣፍሪካ ዓወት ቀኒዑዋ። ባህር ዳር ከተማ ምስ ቱኒዚያዊት ጋንታ ኣፍሪካን ዝገበረቶ ፀወታ 2 ን 0 ተዓዊታ። ክልቲአን ሸቶታት ሃብታሙ ታደሰ ቅድሚ ዕረፍቲን ኣብ መዛዘሚ ደቓይቕ እቲ ፀወታን ኣመዝጊቡወን። ናይ ልሲ ጸወታ ድሕሪ ሒደት መዓልቲታት ዝካየድ እንትኸውን፥ ኣብ ሓፈሻዊ ውፅኢት ፀወታ በፂሕኻ መለሲ ተዓዋቲት ዝኾነት ጋንታ ኣብ ፅዋዕ ኮንፌዴሬሽን ኣፍሪካ ተሳታፊት ክትከውን ኢያ። #Ethiopia…
Read More...

ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ኣብ ዝተሳተፈትሉ ውድድር ካራቴ ጄ ኬ ኤስ ሜዳሊያ ወርቂ ረኺባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ኣብ ዝተሳተፈትሉ ውድድር ካራቴ ጄ ኬ ኤስ ሜዳሊያ ወርቂ ረኺባ። ኣብ ዱባይ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ፅዋዕ ኣፍሪካ እስያ ውድድር ካራቴ ጄ ኬ ኤስ (jks) ተሳተፍቲ ዝኾኑ ሰለስተ ኢትዮጵያውያን ተወዳደርቲ ሜዳሊያ ረኺቦም። ኣብቲ መድረኽ ብ60 ኪሎ ግራም ዝተወዳደረ ናትናኤል በየነ ንሃገሩ ሜዳሊያ…

ሊቨርፑልን ማንቼስተር ሲቲን እንትዕወቱ ማንቼስተር ዩናይትድ ስዕረት ኣጋጢሙዎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ካብ ሜደኦም ወፃእ ዝተፃወቱ ሊቨርፑልን ማንቼስተር ሲቲን ተዓዊቶም። ኣብ ሜድኡ ዝተፃወተ ማንቼስተር ዩናይትድ ድማ ስዕረት ኣጋጢሙዎ። ብመሰረት እዚ፥ ሊቨርፑል ንወልቨርሃምፕተን ወንደረርስን 3 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ተዓዊቱ። ማንቼስተር ሲቲ ድማ ንዌስትሃም…

ኣብ ሞሮኮን ሊቢያን ብዘጋጠመ ሓደጋ ህይወቶም ዝሓለፈ ሰባት ንምዝካር ተፃወትቲ ፀሊም ባጅ ከምዝገብሩ ፕሪሚየር ሊግ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞሮኮን ሊቢያን ብዘጋጠመ ሓደጋ ምንቅጥቃጥ መሬትን ውሕጅን ህይወቶም ዝሓለፈ ሰባት ንምዝካር ኩሎም ተፃወትቲ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ፀሊም ባጅ ክገብሩ ከምዝወሰነ እቲ ሊግ ገሊፁ። ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፁ÷ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሞሮኮን ሊቢያን ብዘጋጠሙ ዘሕዝኑ ሓደጋታት ተፈጥሮ ኣዚዩ ከምዝሓዘነ…

ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ 2016 ዓ.ም 20 መስከረም ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብሪ ውድድር ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ካብ 20 መስከረም 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ክካየድ ኢዩ። እቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ከተማ ኣዳማ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ከምዝካየድ ተገሊፁ፡፡ ቀዳማይ ዙር ውድድር ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ 2016 ዓ.ም ኣብ ከተማ ኣዳማን ድሬደዋን ከምዝካየድ እውን ተሓቢሩ፡፡ ቀዳማይ ዙር…

ውድድር ላዕለዋይ ሊግ ኢትዮጵያ 17 ጥቅምቲ ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድድር ላዕለዋይ ሊግ ኢትዮጵያ 17 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም ከምዝጅመር ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። እቲ ፌደሬሽን ዘበን ውድድር 2016 ላዕለዋይ ሊግ ኢትዮጵያ ዝጅምረሉ ዕለትን ካልኦት ተተሓሓዝቲ  ሓበታታትን ንተሳተፍቲ ጋንታታት ምፍላጡ ሓቢሩ፡፡ ብመሰረት እዚ መርሃ ግብሪ ምውፃእ ዕጫ 3  ጥቅምቲ ዝካየድ…

ኣርቢትር ባምላክ ተሰማ ኣብ ዝርዝር ዋንጫ ኣፍሪካ 2024 ዝመርሑ ዋና ዳያኑ ተኻቲቱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 መስከረም ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣርቢትር ባምላክ ተሰማ ኣብ ዝርዝር ዋንጫ ኣፍሪካ 2024 ዝመርሑ ዋና ዳያኑ ተኻቲቱ። ኮንፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪካ(ካፍ) ኣብ ኮትዲቫር ንዝካየድ ዋንጫ ኣፍሪካ 2024 ዝመርሑ ዳያኑ ዝርዝሮም ዕላዊ ገይሩ። 85 ሰብ ሞያታት ዕላዊ ኣብ ዝተገበርሉ ዝርዝር ኢትዮጵያዊ ኢንተርናሽናል ዳይና ባምላክ ተሰማ መክታቱ…