ስፓርት

ስፓርት

ኣሰልጣኒ ውበቱ ኣባተ ናይ ጋንታ ፋሲል ከነማ ኣሰልጣኒ ብምዃን ተሾይሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ውበቱ ኣባተ ናይ ጋንታ ፋሲል ከነማ ኣሰልጣኒ ብምዃን ተሾይሙ። ጋንታ ፋሲል ከነማ ካብ ዝተዛዘመ ውድድር ዓመት ንደሓር ሓዱሽ ኣሰልጣኒ ንምሻም ኣብ ምድላው ከምዝርከብን ምስ ኣሰልጣኒ ውበቱ ኣባተ ድርድር ከምዝጀመረትን እናተሓበረ ፀኒሑ ነይሩ፡፡ እታ ጋንታ ሎሚ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለፂ ድማ እታ ንኣሰልጣኒ ውበቱ ብሰለስተ ዓመት ኩንትራት ዋና ኣሰልጣኒኣ ገይራ ከምዝሾመቶ ላብታ ጋንታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡ #Ethiopia እዋናዊ ሓበሬታ…
Read More...

ኣብ ዳይመንድ ሊግ ለንደን ጉዳፍ ፀጋይ ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ለንደን ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ዳይምንድ ሊግ 5 ሺሕ ሜትሮ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ተዓዊታ፡፡ ጉዳፍ ፀጋይ እቲ ርሕቐት ንምዝዛም 14 ደቒቕ 12 ሰከንድ ዝወሰደላ እንትኸውን÷ ንተናሓናሕታ ኣትሌት ሲፈን ሓሰንን ብያትሪስ ቺቤትን ብምቕዳም ኢያ ብዓወት ዛዚማ፡፡ ኣብቲ ርሕቐት ኬንያዊት ኣትሌት ብያትሪስ ቺቤት 2ይቲ ከምኡ…

ሳላዲን ሰዒድ ጫምኡ ሰቒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለያ ጋንታታትን ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያን ንብዙሕ ዓማውቲ ኣገልግሎት ዝሃበ ሳላዲን ሰዒድ ጫምኡ ሰቒሉ። ሳላዲን ሰይድ ን15 ዓመታት ኣብ ብሄራዊ ጋንታን ዝተፈላለያ ጋንታታትን ምጭዋት ዝኸኣለ እንትኸውን ኣብ መበል 37 ዕድሚኢ ጫምኡ ከምዝሰቐለ ንሶከር ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦…

ኣብ ዓለም ለኸ ሻምፒዮና ስፖርት ማይ ዝሳተፉ ብሄራዊ ጋንታ ኢትዮጵያ ምፍናው ተገይሩሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 20 ዓለም ለኸ ሻምፒዮና ስፖርት ማይ ዝሳተፉ ኣባላት ብሄራዊ ጋንታ ኢትዮጵያ ምፍናው ተገይሩሎም። ኣብ ጃፓን ፎካካ ኣብ ዝሳለጥ ሻምሪዮና ኢትዮጵያ ብሓደ ወዲ ተባዕታይን ጓል ተንስተይቲን ኣትሌታት ብ50 ሚትሮ ሓመሳ ክትካፈል ኣያ። እቲ ውድድር ካብ 14 ክሳብ 21 ሓምለ ክካየድ ኢዩ ተባሂሉ። ኣብቲ ሻምፒዮና…

ማንቼስተር ዩናይትድን ኢንተር ሚላንን ኣብ ጉዳይ ዝውውር ኦናና ኣብ ስምምዕ በፂሐን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታ ኩዕሾ እግሪ እንግሊዝ ማንቼስተር ዩናይትድን ካሜሩናዊ ሓላዊ ልዳት ኣንድሬ ኦናና ንምፍራም ኣብ ስምምዕ በፂሓ። እታ ጋንታ÷ 47 ነጥቢ 2 ሚሊየን ፓውንድ ናይ ዝውውር ገንዘብ ንምኽፋል ኢያ ምስ ጣሊያናዊት ጋንታ ኢንተር ሚላን ኣብ ስምምዕነት ከምዝበፅሐት ተገሊፁ ዘሎ። ብቐጥታ 43 ነጥቢ 8 ሚሊየን ፓውንድ ንምኽፋል…

ሉሲታ ንቻድ መዘነኦም ኣብ መልሲ ፀወታ ስዒረን

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሾ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ንቻድ መዘነኣ ብመልሲ ፀወታ 4 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ስዒራ፡፡ ኣብ ቀዳማይ መፃረዪ ፀወታ ኦሎምፒክ 2024 ደቂ ኣንስትዮ ኩዕሾ እግሪ÷ ሃገራዊት ጋንታ ደቂኣንስትዮ ኢትዮጵያ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ቻድ ፀወታ ኣካይዳ 6 ን 0 ብዝኾነ ሰፊሕ ውፅኢት ምስዓራ ይፍለጥ፡፡ ሎሚ ኣብ…

መስኮት ዝውውር ተፃወትቲ ፕሪሜር ሊግ ኢትዮጵያ ካብ ዝቕፅል 8 ሓምለ ክኽፈት ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መስኮት ዝውውር ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ተፃወትቲ ፕሪሜር ሊግ ኢትዮጵያ ካብ ዝቕፅል 8 ሓምለ ጀሚሩ ከምዝኽፈት ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። እቲ መስኮት ዝውውር ካብ 8 ክሳብ 25 ሓምለ 2016 ዓ.ም ከምዝፀን ተገሊፁ፡፡ ሕጋውነት ዝውውር ተፃወትቲ ዝፀድቕ እውን ኣብ ቤት ፅሕፈት ፌደሬሽን ኩዕሾ እግሪ…