ስፓርት
ባምላክ ተሰማ ኣብ ፀወታ ርብዒ ፍፃመ ቻምፒየንስ ሊግ ኣፍሪካ ብዳይነት ክመርሕ ኢዩ
አዲስ አበባ ፣ የካቲት 16 ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ) ኢትዮጵያዊ ኢንተርናሽናል ዳይና ባምላክ ተሰማ ፀወታ ርብዒ ፍፃመ ቻምፒየንስ ሊግ ኣፍሪካ ብዳይነት ክመርሕ ኢዩ ተባሂሉ።
ባምላክ ተሰማ ጋንታ ቲፒ ማዜምቤ ኣብ ሜዳኣ ንጋንታ ሞሮኮ ራጃ ካዛብላንካ እተተኣናግደሉ ፀወታ ርብዒ ፍፃመ ብዋና ዳይነት ከምዝመርሕ ተገሊፁ።
ፈላማይ እግሪ ፀወታ ክልቲአን ጋንታታት ኣብ ዝመፅእ ዓርቢ ኣብ ሜዳ ራጃ ካዛብላንካ ዝካየድ እንትኸውን፥ ናይ መልሲ ፀወታ ድማ ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ከተማ ሉሙምባሺ ኣብ ወርሒ መጋቢት ክካየድ ኢዩ።
ኢንተርናሽናል…
Read More...
ኣትሌት ኣባብል የሻነህ ክብረ ወሰን ዓለም ፍርቂ ማራቶን ሰይራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ሕቡራት ኢሚሬታት ዓረብ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ራስ ኣል ቃይማህ ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ኣባብል የሻነህ ክብረ ወሰን ዓለም ብምስባር ተዓዊታ።
እታ ጓል 28 ዓመት ኣትሌት፥ ብ 1 ሰዓት 4 ደቒቕን 31 ካልኢትን ብምእታው እያ ነቲ ክብረ ወሰን ክትሰብሮ ክኢላ።
ኣትሌት ኣባብል፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን…
ትማሊ ምሸት ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ለኸ ውድድር ውሽጢ ገዛ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓዊቶም
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ትማሊ ምሸት ኣብ ፈረንሳይ ዝተኻየደ ዓለም ለኸ ውድድር ውሽጢ ገዛ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓዊቶም።
ኣብቲ ውድድር፥ ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ብኽልቲኡ ፆታ፣ ከምኡ እውን ብ3 ሺሕ ሜትሮ ብደቂ ተባዕትዮ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓወትቲ ክኾኑ ክኢሎም።
ብመሰረት እዚ ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝተገበረ…
ፈላማይ ስፖርታዊ ውድድር መኪና ኣብ መቐለ ተሳሊጡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ፈላማይ ስፖርታዊ ውድድር መኪና ኣብ ከተማ መቐለ ተሳሊጡ።
እቲ ውድድር ፎኔክስ ብዝተብሃለ ማሕበር ስፖርታዊ መኪና ዝተሰናደአ እንትኸውን፥ 15 ካብ ኣዲስ ኣበባ 8 ድማ ካብ መቐለ ዝተዓደሙ ተወዳደርቲ ተሳቲፎም።
ንመፈሐምታ እዋን ኣብታ ከተማ ዝተሳለጠ ውድድር፥ ብዙሓት ነበርቲ ከተማ መቐለን ከባቢኣን…
ኣብ መበል 14 ሰሙን ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ መቐለ 70 እንደርታ ብሰፊሕ ኣፈላላይ ሸቶ ተዓዊታ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ሎሚ መዓልቲ ዝተካየደ ብሕታዊ ፀወታ መበል 14 ሰሙን ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ መቐለ 70 እንደርታ ኣብ ልዕሊ ሃዋሳ ከተማ ዓወት ኣመዝጊባ።
ኣብ መይዳኣን ቅድሚ ደገፍታን ንሃዋሳ ከተማ ዘተኣናገደት ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ፥ 5 ን 1 ብዝኾነ ሰፊሕ ኣፋላላይ ሽቶ ተዓዊታ ክትወፅእ ክኢላ።
ኦኪኪ ኣፎላቢ ሎሚ መዓልቲ 3 ሽቶታት…
ኣብ ከተማ ኣላማጣ ክካየድ ዝቐነየ ውድድር ዓስራይ መላእ ፀወታታት ስፓርት ትግራይ ተዛዚሙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ካብ 23 ጥሪ ክሳብ 5 ለካቲት 2012 ዓ.ም ብኣሰናዳእነት ከተማ ኣላማጣ ክካየድ ዝቐነየ ውድድር ዓስራይ መላእ ፀወታታት ስፓርት ትግራይ ሎሚ ተዛዚሙ።
ብውድድራት ኦሎምፒክ ሰቲት ሑመራ ብ44 ወርቂ፣ 28 ብሩርን 26 ነሓስን ብድምር ብ98 ሜዳልያታት ቐዳማይ ደረጃ ብምውፃእ ተሸላሚት ዋንጫ ኾይና።
ኣሰናዳኢት እቲ ውድድር…
ኣትሌት ሳሙኤል ብሓንቲ ማይል ካልኣይ ቅፅበታዊ ሰዓት ዓመተ 2020 ኣመዝጊቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ሳሙኤል ተፈራ ብሓንቲ ማይል ካልኣይ ቅፅበታዊ ዓለም ለኻዊ ሰዓት ዓመተ 2020 ኣመዝጊቡ።
ውድድር ሓንቲ ማይል ውሽጢ ገዛ ትማሊ ኣብ ኣየርላንድ፣ ኣትሎን ተኻይዱ።
ብመሰረት እዚ ኣትሌት ሳሙኤል ተፈራ ነቲ ውድድር ብ3 ደቒቓ 55 ሰከንድን 86 ማይክሮ ሰከንድን ብምዝዛም ተዓዊቱ።
ስለዝኾነ ብሓንቲ…