ስፓርት
29 ለካቲት ካብ ኣደባባይ ሮማናት ናብ ጎቦ ጮምዓ መቐለ ጉዕዞ እግሪ ክካየድ እዩ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)29 ለካቲት 2012 ዓ/ም ካብ አደባባይ ሮማናት ናብ ጎቦ ጮምዓ ጉዕዞ እግርን ስነ-ስርዓት ኣቀባብላ ሽግ ኦሎምፒክ ቶክዮን ከምዝካየድ ማሕበር ልምዓት ጮምዓ መስቀል መቐለ ገሊፁ።
እቲ ጉዕዞ እግሪ "ጥዕናን ልምዓትን ንመኸተ" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ እንትኸውን፥ ማሕበር ልምዓት ጮምዓ ምስ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ፣ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ክልል ትግራይ፣ ጃንትራ ኤቨንትስን ብምትሕብባር ዘዳለዎ ከምዝኾነ ኣቦ ወንበር እቲ ማሕበር ገብረህይወት ተኽለሃይማኖት ሓቢሮም።
ብተወሳኺ ብምኽንያት…
Read More...
ጋንታታት ስሑል ሽረን ሃዋሳ ከተማን ምስ ኣሰልጠንተን ተፈላሊየን
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጋንታታት ፕሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ስሑል ሽረን ሃዋሳ ከተማን ምስ ኣሰልጠንተን ተፈላሊየን።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መልቀቒ ደብዳቤ ዘእተዉ ኣሰልጣኒ ጋንታ ስሑል ሽረ ሳምሶን ኣየለ፥ ካብታ ጋንታ ከምዝተፈላለዩ ካብ ሶከር ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ንሓደ ዓመት ዝኣክል ምስታ ጋንታ ፃንሒት ዝገበሩ እቶም ኣሰልጣኒ፥…
2ይ ዙር ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ 28 ለካቲት ክጅምር ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ካልኣይ ዙር ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ዝጅመረሉ ግዘ ዕላዊ ገይሩ።
ብመሰረት እዚ ካልኣይ ዙር ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ 28 ለካቲት 2012 ዓ.ም ከምዝጅመሩ እቲ ፌዴሬሽን ነተን ጋንታታት ኣብ ዝለኣኾ ደብዳቤ ኣፍሊጡ።
15 ፀወታታት ኣብ ዘተኣናገደ ቀዳማይ ዙር ውድድር ፕሪሚየር ሊግ…
ጋንታ ወልዋሎ ካብ ዝኾነ ይኹን ውድድር ተኣጊዳ
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ንጋንታ ወልዋሎ ካብ ዝኾነ ይኹን ውድድር ከምዝኣገዳ ኣፍሊጡ።
እቲ ፌዴሬሽን ንጋንታ ወልዋሎ ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳቤ፥ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብታ ጋንታ ምስ ዘገልገሉ ሸሞንተ ተፃወትቲ ተተሓሒዙ 14 ጥሪ 2012 ዓ.ም ብኣካላት ፍትሒ ዝተውሃበ ውሳነ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ተግባራዊ ንኽትገብር ገደብ…
ባምላክ ተሰማ ኣብ ፀወታ ርብዒ ፍፃመ ቻምፒየንስ ሊግ ኣፍሪካ ብዳይነት ክመርሕ ኢዩ
አዲስ አበባ ፣ የካቲት 16 ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ) ኢትዮጵያዊ ኢንተርናሽናል ዳይና ባምላክ ተሰማ ፀወታ ርብዒ ፍፃመ ቻምፒየንስ ሊግ ኣፍሪካ ብዳይነት ክመርሕ ኢዩ ተባሂሉ።
ባምላክ ተሰማ ጋንታ ቲፒ ማዜምቤ ኣብ ሜዳኣ ንጋንታ ሞሮኮ ራጃ ካዛብላንካ እተተኣናግደሉ ፀወታ ርብዒ ፍፃመ ብዋና ዳይነት ከምዝመርሕ ተገሊፁ።
ፈላማይ እግሪ ፀወታ ክልቲአን ጋንታታት ኣብ ዝመፅእ…
ኣትሌት ኣባብል የሻነህ ክብረ ወሰን ዓለም ፍርቂ ማራቶን ሰይራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ሕቡራት ኢሚሬታት ዓረብ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ራስ ኣል ቃይማህ ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ኣባብል የሻነህ ክብረ ወሰን ዓለም ብምስባር ተዓዊታ።
እታ ጓል 28 ዓመት ኣትሌት፥ ብ 1 ሰዓት 4 ደቒቕን 31 ካልኢትን ብምእታው እያ ነቲ ክብረ ወሰን ክትሰብሮ ክኢላ።
ኣትሌት ኣባብል፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን…
ትማሊ ምሸት ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ለኸ ውድድር ውሽጢ ገዛ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓዊቶም
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ትማሊ ምሸት ኣብ ፈረንሳይ ዝተኻየደ ዓለም ለኸ ውድድር ውሽጢ ገዛ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓዊቶም።
ኣብቲ ውድድር፥ ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ብኽልቲኡ ፆታ፣ ከምኡ እውን ብ3 ሺሕ ሜትሮ ብደቂ ተባዕትዮ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓወትቲ ክኾኑ ክኢሎም።
ብመሰረት እዚ ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝተገበረ…