ስፓርት

ስፓርት

ግጥማት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ መዓልቲ ክጅምር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ግጥማት ፕሪሚየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ሎሚ መዓልቲ ክጅምር ኢዩ። ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝተቛረፁ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ፕሪሜርሊግ እንግኒዝ ድሕሪ 100 ሎሚ መዓልቲ ክጅምሩ ኢዮም። ብዝተገበረ ስምምዕነት መሰረት እቶም ዝተረፉ ግጥማት ብዘይ ደገፍቲ ዝካየዱ ምዃኖም፥ እብቶም ግጥማት ዘሎ ትፅቢት ዝተፈራረቐ ኮይኑ ኣሎ። ደገፍቲ ናብ ሜዳ ዝምለስሉ ኩነታት ንምፍጣር ዝርርባት ይካየዱ ከም ዘለዉ መካያዲ ስራሕ ፕሪሜርሊግ ዓዲ እንግሊዝ ሪቻርድ ማስተርስ ገሊፆም። ምስ…
Read More...

ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ዝተጀመረ ላሊጋ ስፔን ጋንታ ሲቪያ ዓወት ቀኒዑዋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፀወታ ኩዕሾ እግሪ ላሊጋ ስፔን ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ ትማሊ ዳግም ናብ ውድድር ተመሊሱ። እቲ ውድድር ትማሊ ምሸት እንትጅምር ጋንታታት ሲቪያን ሪያል ቤቲስን ኣራኺቡ። እቲ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ዝተጀመረ ውድድር ላሊጋ ስፔን ጋንታ ሲቪያ 2 ን 0 እንትትስዕር፥ ኦካምፖስን ሬጌስን እተን ሸቶታት ኣቑፂሮምወን። እቲ ፀወታ ኣብ…

ማንቼስተር ዩናይትድ ውዕሊ ኦዲዮን ኢጋሎ ኣናዊሓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታ ኩዕሾ እግሪ ማንቼስተር ዩናይትድ ናይ ናይጀሪያዊ ተፃዋታይ ኦዲዮን ኢጋሎን ውዕሊ ንተወሰኽቲ ኣዋርሕ ምንዋሓ ኣፍሊጣ። እታ ጋንታ ነቲ ተፃዋታይ ክፍሊ ምጥቃዕ ክሳብ መፃኢ ወርሒ ጥሪ ንኽተፅነሖ ኣብ ስምምዕ ከምዝበፅሕት ገሊፃ ኣላ። እቲ ተፃዋቲ ኣብ ማንቸስተር ዩናይትድ ዝነበሮ ውዕሊ ትማሊ ተዛዚሙ ነይሩ። ኣብ…

ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ 10 ሰነ ናብ ውድድር ክምለስ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጉነበት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ተቛሪፁ ዝነበረ ፀወታ ኩዕሶ እግሪ ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ 10 ሰነ 2012 ዓ.ም ናብ ውድድር ከምዝምለስ ተገሊፁ። እቲ ሊግ ጋንታ ማንቸስተር ሲቲ ምስ ኣርሰናልን ከምኡ እውን ኣስቶንቪላ ምስ ሼፍልድ ዩናይትድ ብዝገብሩዎም ተመዓራረይቲ ፀወታታት ከምዝጅመር ተፈሊጡ። ካብ 12 ክሳብ 14 ሰነ ድማ…

ነበር ተፃዋታይ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያን ቅዱስ ጊዮርጊስን ተስፋየ ኡርጌቾ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ተፃዋታይ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያን ቅዱስ ጊዮርጊስን ተስፋየ ኡርጌቾ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዩ። ካብ ዝነብረሉ ሃገረ ኣሜሪካ ንዕረፍቲ ናብ ኢትዮጵያ መፂኡ ዝነበረ ተስፋዬ፥ ብዘጋጠሞ ሃንደበታዊ ሕማም ሕክምና እናተኸታተለ ምፅንሑ ካብ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። ፋና ብሮድካስቲንግ…

ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኩሎም ውድድራት ሊግ ዓመተ 2012 ከምዝተሰረዙ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኩሎም ውድድራት ሊግ ዓመተ 2012 ከምዝተሰረዙ ኣፍሊጡ። ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ እቲ ፌዴሬሽን ከምዝበሎ፥ ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ምህላዋ ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ለበዳ መዓዝ ኣብ ቁፅፅር ከምዝውዕልን እቶም ውድድራት መዓዝ ከምዝግበሩን ምፍላጥ ስለ ዘይከኣል ኢዩ ውሳነ ተዋሂቡ።…

ካልኣይ ምዕራፍ ህንፀት ብሄራዊ ስታዲየም ንምጅማር ዘኽእል ስነ-ስርዓት ፌርማ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ካልኣይ ምዕራፍ ህንፀት ብሄራዊ ስታዲየም ንምጅማር ዘኽእል ስነ-ስርዓት ፌርማ ተሳሊጡ። ስራሕቲ ተቛራፃይነት ብኮርፖሬሽን ስቴት ኮንስትራክሽን ኢንጅነሪንግ ቻይና፤ ኤም ኤች ኢንጅነሪንግ ድማ ብኣማኻሪነት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ገርጂ ዝህነፅ ዘሎ ብሄራ ስታዲም ኣብ ክልተ ምዕራፋት ተኸፊሉ እናተሃነፀ ይርከብ።…