ስፓርት
ኣዳማ ከተማ ንባህር ዳር ከተማ ስዒራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 33 ሰሙን መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ኣዳማ ከተማ ንባህር ዳር ከተማ 2 ን 0 ብምስዓር ተዓዊታ፡፡
ኣዳማ ከተማ ዝተዓወተትለን ሸቶታት ቢንያም ኣይተንን ሙሴ ኪሮስን ድሕሪ ዕረፍቲ ኣመዝጊቦምወን፡፡
ኣዳማ ከተማ ተኸታታሊ ሳልሳይ ዓወታ እንትተዕውን÷ ባህር ዳር ከተማ ብኣንፃሩ ሰለስተ ተኸታተልቲ ስዕረት ኣተኣናጊዳ፡፡
እቲ ውፅኢት ስዒቡ ባህር ዳር ከተማ ብ48 ነጥቢ ኣብ 3ይ ደረጃ እንትትቅመጥ ኣዳማ ከተማ ድማ ብ35 ነጥቢ መበል 15 ደረጃ ትርከብ፡፡
መርሃ ግብሪ…
Read More...
ማቲውስ ኩንሃ ንማንቼስተር ዩናይትድ ፈሪሙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብራዚላዊ ተፃዋቲ ወልቭስ ማቲውስ ኩንሃ ንማንቼስተር ዩናይትድ ፈሪሙ።
እቲ ወዲ 26 ዓመት ኣብ ማንቼስተር ዩናይትድ ክሳብ 2030 ዘፅንሖ ውዕሊ ከምዝፈረመ ተገሊፁ።
ዩናይትድ ንዝውውር እቲ 10 ቁፅሪ ማሊያ ዝኽደን ማቲውስ ኩንሃ፥ 62 ነጥቢ 5 ሚሊየን ፓውንድ ንወልቭስ ከፊሉ።
ናይ ኢትዮጵያ ትሕቲ 18 ን 20ን ዓመት ኣትሌቲክስ ሻምፒዮና ተዛዚሙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ናይ ኢትዮጵያ ትሕቲ 18 ን 20ን ዓመት ኣትሌቲክስ ሻምፒዮና ብሓፈሻዊ ተዓዋትነት ባንኪ ነግዲ ኢትዮጵያን ኣካዳሚ ስፖርት ኢትዮጵያን ተዛዚሙ።
ንዝሓለፉ ሸውዓተ መዓልታት ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ክካየድ ዝፀንሐ መበል 13 ትሕቲ 20 ዓመትን መበል ራብዓይ ትሕቲ 18 ዓመትን ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ልዕሊ 1 ሺሐን 190…
ሃዋሳ ከተማ ንመቻል ስዒራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 32 ሰሙን መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ሃዋሳ ከተማ ንመቻል 3 ን 1 ብምስዓር ተዓዊታ።
ሃዋሳ ከተማ ዝተዓወተትለን ሸቶታት ዓሊ ሱሌማን፣ ተባረክ ሄፋሞን ኣቤኔዘር ዮሃንስን ኣመዝጊቦምወን።
ብሕታዊት ሸቶ መቻል ድማ ምንይሉ ወንድሙ ብፍፁም ቅፅዓት ኣመዝጊቡዋ።
ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሳይንስና…
ልዑል ሃንቀውታ ዝግበረሉ ፀወታ ፍፃመ ኢንተር ሚላን ምስ ፒኤስጂ ኣብ ሙኒክ
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፀወታ ፍፃመ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ ምሸት ኣብ ጀርመን ሙኒክ ስታዲየም ኣሊያዝ ኣሬና ጣልያናዊት ጋንታ ኢንተርሚላን ምስ ፈረንሳዊት ጋንታ ፒኤስጂ ምሸት ሰዓት 4 ክራኸባ ኢየን፡፡
ኣብ ጀርመን ከተማ ሙኒክ ስታዲየም ኣሊያንዝ አሬና ዝካየድ ፀወታ ፍፃመ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሮማኒያዊ ዳኛ ኢስትቫን ኮቫክስ ብዋና ዳይነት…
ስሑል ሽረ ካብ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ወሪዳ
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 32 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ምስ ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ዝተራኸበት ጋንታ ስሑል ሽረ 1 ን 0 ስለዝተሰዓረት ካብ ውድድር እቲ ሊግ ምውራዳ ኣረጋጊፃ፡፡
ቅዱስ ጊዮርጊስ ዝተዓወተትላ ብሕታዊት ሸቶ ፍፁም ጥላሁን ድሕሪ ዕረፍቲ ኣመዝጊቡዋ፡፡
ነዚ ስዒቡ ቅዱስ ጊዮርጊስ ድሕሪ ሰለስተ ተኸታተልቲ…
ሪያል ማድሪድ ንኣሌክሳንደር ኣርኖልድን ኣፈሪሙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ጋንታ ሪያል ማድሪድ ንኣሌክሳንደር ኣርኖልድን ከምዘፈረሞ ግልፂ ገይሩ።
ኣሌክሳንደር ኣርኖልድ ኣብዚ ውድድር ዓመት ካብ ሊቨርፑል ንምልቃቕ ምውሳኑ ቅድሚ ሰሙናት ምግላፁ ይዝከር።
ኣብ ሓዱሽ ክለብን ዝተፈለየ ቦታን ንባዕሉ ንምፍታሽ ብምድላዩ ምስ ሊቨርፑል ንምልቃቕ ምውሳኑ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ገሊፁ ኢዩ።
ናብ ሓዱሽ…