ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) መዘናግዒ ቦታ ጥራሕ ዘይኮነስ ዘመናዊ ስነ ህንፃ ምስ ባህላዊ ክብርታት ክልል ሶማሌ ኣዋሃሂዱ ዝሓዘ ማህደር ታሪክ እዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ካብ መንጎ ’ገበታ ንወለዶ’ እቲ ዓብዩ ዝኾነ ፕሮጀክትን ኣብ 385 ሄክታር መሬት ዝተዘርግሐን ሸበሌ ሪዞርት መሪቕና ንግልጋሎት ኣብቒዕና ኢሎም፡፡
እቲ ሪዞርት መዘናግዒ ቦታ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ዘመናዊ ስነ ህንፃ ስነ ጥበብ ክልል ሶማሌ ዘወሃህድ ታሪኻዊ ፀጋታት ኣዋዲዱ ዝሓዘ ማህደር ታሪክ ምዃኑ ገሊፆም፡፡
እቲ ፕሮጀክት ኢትዮጵያ ብኣፍሪካ ቀዳመይቲ መዕረፊት ቱሪስት ንምግባር ዝተኣተወ ቃል ብተግባር ዘረጋገፀ ካብ ምብራቕ ክፋል ሃገርና እቲ ዝዓበየ ስራሕ እዩ ክብሉ ተዛቦም፡፡
ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ሰፊሕን ሰሓብን ተፈጥሮኣዊ ሃፍቲ ብምድማር ምትሕብባርን ናብ ልምዓት እንትቕየር ኢትዮጵያ ሓላሚት ጥራሕ ዘይኮነስ ሕልምታታ ናብ ግሁድ ናብራን እትቕይር ሃገር ምዃና ብተግባር ኣርእያ እያ ኢሎም መልእኽቶም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!