ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ሓዱሽ መራሄ መንግስቲ ጀርመን ብምኻን ንዝተመረፁ ፍሬድሪክ ሜርዝ ናይ እንቋዕ ደስ በሎም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፥ ናይ ኢትዮጵያን ጀርመንን ናይ 120 ዓመታት ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ኣዘኻኺሮም።
ናይተን ሃገራት ጠንካራ ሽርክና ንዓለም ለኻዊ ሓበራዊ ተረባሕነት ፅኑዕ መሰረት ከምዝኸውን እምነቶም ገሊፆም።