Welcome to Fana Media Corporation S.C
In a Speed of life!
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ኢትዮጵያ ዘልዓልዎም ቀንዲ ነጥብታት
By
mizan mekonen
on July 16, 2026
ኣባና ዘለዉ ፀገማት ብኣና ጥራይ ዝጅምሩን ብኣና ጥራይ ዝውድኡን ኣይኮኑን። ንሕና ክንሰርሕ ከለና ምሳና ዘይነበሩ፣ ክንቃወም ከለና ካበይ መፂኦም ዘይበሃል ጥይትን ገንዘብን እናቐረቡ፣ ብሚዲያታት ፕሮፓጋንዳ እናወዝዑ ይረኣዩ።
ዝኾነ ጉዳይ ኣብ ውሽጥና እኳ እንተፈላለየና ከምዚ ዝኣመሰለ ዘተ ብምክያድ ፀገማትና ክንፈትሕ ይግባእ።
ምሽጢር ፅንዓትና ኣብ ሽምግልና፣ ምዝርራብ፣ ይቕረታን ካሕሳን ዝተመስረተ እዩ። እዚኣቶም ሳይንስ ብቐሊሉ ክምርምሮም ወይ ክትክኦም ዘይክእል ዓቢ ሃብትን ተሞክሮን እዮም።
ኣብ ኢትዮጵያ ጎንፂ እንተተፈጢሩ ብምዝርራብን ብይቕረታን እዩ ዝፍታሕ። እዚ ባህሊ ምዝርራብን ይቕረታን ኢትዮጵያ ኣፅኒዑዋ እዩ።
እዚ ሃገራዊ ዘተ ጉባኤ ኣብ ባህሊ ምዝርራብን ይቕረታን ዝተመስረተ እንተኾይኑ ንዓና ጥራይ ዘይኮነስ ንዝመፅኡ ብዙሓት ዓሰርተታት ዓመታት ዝፀንሕ መሰረት ከንብር ይኽእል።
ካብ ባህልና፣ መንነትናን ታሪኽናን ከይተፈለና ብፍቓድ፣ ብፍቕርን ስምዒት ሓላፍነትን እዚ ዘተ እንተኣካይድና ብዘይ ጥርጥር ደቅና ዝማዕበለትን ዝፀንዐትን ኢትዮጵያ ክወርሱ ይኽእሉ።
ባህልና ምስ ኣብ ትሕቲ ዋርካ ምእካብ ይመሳሰል። ስለዚ እዩ “ዋርካ ንትከል፣ ተስፋ ንትከል፣ ብሓባር ምቛምና ነፅንዕ” እንብል።
ማንም ከይተጎድአ ሓባራዊ ሕቶታትና ብምልዓል ክንመኻኸር ይግባእ። ከምዚ ዝኣመሰለ መድረኽ ብዘይምክያድና ብዙሓት ወገናትና ከቢድ ዋጋ ከፊሎም እዮም።
ብትዕግስቲ ግዛቸው
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ
Share
Related Posts
ንሃገራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ምኽባር ተሳትፎ ኩሉ የድሊ – ኣረጋዊ በርሀ (ዶ/ር)
ብህዝባዊ ደገፍ ዝፀንዐ ዋልታ ሃገር
በዓል ሓደራ ምምሕዳር ብቀዳምነት ኣገልግሎታት ህዝቢ ናይ ምንቕቓሕ ስራሕቲ ክፍፅም እዩ – ከንቲባ ሽሻይ ኣማረ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ መባፅሕ ቱሪዝም ስፖርት ንምግባር ናይ ኩላትና ተሳትፎ ወሳኒ እዩ – ከንቲባ ኣዳነች
ኢትዮጵያን ኮርፖሬሽን ዓለም ለኸ ፋይናንስን ውልቃዊ ኢንቨስትመንት ንምዕባይ ብዝከኣለሉ ኩነታት ተዛትየን
ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ንሰራዊት ምክልኻል ዝድግፍ ህዝባዊ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ
በዓል ሓደራ ምምሕዳር ንዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ክልል ትግራይ ዓብዩ ረብሓ ክህልዎ እዩ – ኣረጋዊ በርሀ (ዶ/ር)
Comments
(0)
Add Comment