ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ንበዓል ሓርበኛታት መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መበል 84 በዓል መዓልቲ ሓርበታት (መዓልቲ ዓወት) ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

ሙሉእ ትሕዝቶ መልእኽቲ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፡-

እንኳዕ ንመበል 84 በዓል መዓልቲ ሓርበኛታት (መዓልቲ ዓወት) ኣብፀሐኩም፡፡

ቀዳሞት ኣቦታትናን እኖታትናን ናፅነት ብደም ሓሊዮም ሃገር ኣውሪሶምና። በዚ ድማ ንኾርዕ። እዞም ቀዳሞት ሓርበኛታት ብዝኸፈሉዎ ዋጋ ሎሚ ቅንዕ ኢልና ብናፅነት ኣብ ኣደባባይ ክንስጉም ገይሮምና ኢዮም። ብምኽንያት ድኽነትናን ድሕረትናን ግን ናፅነትና ሙሉእ ክኸውን ኣይከኣለን።

ናፅነትና ዝተማለአ ንኽኸውን ሎሚ ኢትዮጵያ ናይ ካልኣይ ዘበን ሓርበኛ ትደሊ ኢያ። ናይ ካልኣይ ዘበን ሓርበኛታት ንኢትዮጵያ ናብ ኩለመዳይ ምዕባለ ብምብፃሕ ናፅነታ ሙሉእ ዝገብሩ ኢዮም። ኣብ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊን ዲፕሎማሲያዊን ዓውዲታት ኣብ ዝህሉ ሰላማዊ ኲናት፣ ድኽነትን ድሕረትን ተቓሊሶም ዝስዕሩ ሓርበኛታት ኢዮም።

ናይዚ ዘበን ሓርበኛነት ዕጥቁ ፍልጠት፣ ክእለትን ዲሲፕሊንን ኢዩ። ወነኡ ፍቕሪ ሃገር፣ ቆራፅነትን ንፅህናን ኢዩ። ሸቶኡ ምዕባለ ኢትዮጵያ ኢዩ።

ንኢትዮጵያ ዓባይ ንምግባር ክልቲኡ ዓይነት ሓርበኛታት የድልዩ። እዚ ዘበን ድማ ብዝበለፀ ካልኣይ ሓርበኝነት ይጠልብ። እዚ ዕለት ነቲ ፈላማይ ሓርበኝነት መዘከሪ፤ ንካልኣይ ሓርበኝነት ድማ መሰረት ዝንበረሉ ከምዝኸውን ተስፋይ ዕዙዝ ኢዩ።

ሰናይ በዓል ይኹን!

ኢትዮጵያ ብፃሪ ደቃ ተሓፊራን ተኸቢራን ንዘላለም ትንበር!!

ፈጣሪ ንኢትዮጵያን ህዝባን ይባርኽ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment