ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝለዓሉሎዎም ሕቶታት ምላሽን መብርሂን ክህቡ እዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 1ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 4ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ፅባሕ ከካይድ እዩ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ንዝልዓሉ ሕቶታትን ርእይቶታትን ምላሽን መብርሂን ከምዝህቡ ካብቲ ባይቶ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

እቲ ባይቶ 17 ሕዳር 2019 ዓ.ም ካብ ሰዓት 2፡30 ንግሆ ጀሚሩ ኣብ ዘካይዶ ስሩዕ ኣኼባ፤ ቅዋም መንግስቲ ድሕሪ ምስማዕ ናይ ድጋፍ ሞሽን ከፅድቕ ትፅቢት ይግበር።

ኣብቲ ዕለት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ተወከልቲ ዓለም ለኸ ትካላት፣ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ፍሉጣት ሰባት፣ መራሕቲ ተናሓናሕቲ ፓርቲታትን ካልኦት ዕድመ ዝተገብረሎም ኣጋይሽን ብኽብሪ ክሳተፉ እዮም።

Comments (0)
Add Comment