ቁፅሪ ተመዝገብቲ ፋይዳ ዲጂታል መለለዪ መንነት 33 ሚሊየን በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቁፅሪ ተመዝገብቲ ፋይዳ ዲጂታል መለለዪ መንነት 33 ሚሊየን በፂሑ ኢሎም ዳይሬክትር ርክብ ህዝቢን መዳርግቲ ኣካላትን ብሄራዊ መመንነት ሳሚናስ ሰይፉ።

እቶም ዳይሬክተር ምስ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት ከምዝነሉዎ÷ ፋይዳ ዲጂታል መለለዪ መንነት ኣገልግሎታት ኣብ ምቅልጣፍ ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ይርከብ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ቁፅሪ ተመዝገብቲ 33 ሚሊየን ከምዝበፅሐ ብምሕባር÷ ንትካላት ልዕሊ 60 ሚሊየን ተጠቀምቲ ፋይዳ መለለዪ መንነት ናይ ምርግጋፅ ስራሕቲ ከምዝተወገኑ ኣብሪሆም።

ካብዚ ብተወሳኺ በዝሒ ምዝገባ ማሽን 7 ሺሕ ምብፃሕ ከምዝተኽኣለ ዝገለፁ ኣይተ ሳሚናስ÷ ኣብ ቀፃሊ ኣብቲ ዓውዲ ንዝውገኑ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ኣመልኪቶም፡፡

ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ብዙሓት ውፅኢታት ከምዝመፅኡ ብምሕባር÷ ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ፋይናንስ ምጭብርባር ካብ ምኽልካል ሓሊፉ ዘበናዊ ቴክኖሎጂታት ንምትግባር ልዑል ግደ ከምዝተፃወተ ኣብሪሆም።

በዚ ድማ ምስ ብሄራዊ ባንኪ ብምትሕብባር ቁፅሪታት ሒሳብ ባንኪ ምስ ፋይዳ መለለዪ መንነት ናይ ምትእስሳር ስራሕ እንናተወገነ ከምዝርከብ ኣገንዚቦም፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment