ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 36 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ በርንሌይን ኣስቶንቪላን 2 ን 2 ብዝኾነ ማዕረ ውፅኢት ተፈላሊየን።
ቀትሪ ሰዓት 10 ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ናይ በርንሌይ ሸቶታት ኣንቶኒን ፍሌሚንግን እንተመዝግቡ፤ ብወገን ኣስቶንቪላ ድማ ባርክሌይን ዋትኪንስን ኣመዝጊቦምወን።
ብተመሳሳሊ ሰዓት ዝተኻየዱ ፀወታታት ክሪስታል ፓላስን ኤቨርተንን ብተመሳሳሊ ውፅኢት 2 ማዕረ እንትፈላለያ፤ ኖቲንግሃም ፎረስትን ኒውካስል ዩናይትድን እውን 1 ማዕረ ተፈላሊየን።
ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ሰዓት 12፡30 መሪሕ እቲ ሊግ ኣርሰናል ካብ ሜዳኣ ወፃእ ምስ ዌስትሃም ዩናይትድ ትገብሮ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ።