ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብኣትሌቲክስ ዓለም ደረጃ ፕላቲኒየም ኣብ ዝተመደበ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ሆንግ ኮንግ ብክልቲኡ ፆታ ተዓዊቶም።
ኣብ 2026 ዝተኻየደ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ባንክ ኦፍ ቻይና ሆንግ ኮንግ-ዙሃይ-ማካዎ፤ ብወገን ደቂ ተባዕትዮ ኣትሌት ኣዲሱ ጎበና 1ይ ብምውፃእ ውድድሩ ዛዚሙ።
ኣትሌት ኣሊዪ ቃሲም 2ይ፣ ኣትሌት ታፈረ ኣዲሱ ድማ 8ይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሮም ዛዚሞም።
ብመዳይ ደቂ ኣንስትዮ፤ ኣትሌት ውዴ ከፋሌ 1 ሰዓት 9 ደቒቕን 4 ሰኮንድን ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ተዓዊታ።
ኣብቲ ውድድር ኣትሌት ፋንቱ ወርቁ፣ ኣትሌት ባራኪ ረዳኢን ኣትሌት ኣስማረች ኣንለይን ካብ 3ይ ክሳብ 5ይ ዘሎ ደረጃ ሒዘን ውድድረን እንትዛዝማ፤ ኣትሌት ዘውዴ ውዱ 9ይ ደረጃ ሒዛ ዛዚማ።
ኣብ ኔዘርላንድስ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር 15 ኪ.ሜ፤ ኣትሌት ኣሳየች ኣይቸው ካብ ዓለም ካልኣይ ዝቐልጠፈ ሰዓት ብምምዝጋብ ብዝደንቕ ብቕዓት ተዓዊታ።
ኣትሌት ኣሳየች ነቲ ውድድር ብ45 ደቒቕን 29 ሰኮንድን ብምዝዛም እያ ክትዕወት ክኢላ።