ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንህንፀት ሰላምን ዴሞክራሲን ወሰንቲ ዝኾኑ ብዙሓት ኣዋጃት መርሚሩ ኣፅዲቑ-ኣፈጉባኤ ታገሰ ጫፎ

ኣዲስ ኣበባ፣ ሰነ 29፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) – ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ንሰላምን ንምህናፅ ዴሞክራስያዊ ስርዓትን ኣገደስቲ ዝኾኑ ብዙሓት ኣዋጃት መርሚሩ ኣፅዲቑ ኢሎም ኣፈ-ጉባኤ እቲ ባይቶ ታገሰ ጫፎ።

ኣፈ-ጉባኤ ታገሰ ጫፎ፥ ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ዝተፈፀሙ ዝተፈላለዩ ሃገራዊ ጉዳያት ብዝምልከት ምስ ኣባላት ኮሚቴ ኣማኻሪን ኣተሓባባሪን እቲ ቤት ምኽሪ ተዛቲዮም።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ንሰላም፣ ልምዓትን ምህናፅ ዴሞክራስያዊ ስርዓትን ኣገደስቲ ዝኾኑ ብዙሓት ኣዋጃት መርሚሩ ከምዘፅደቐ ገሊፆም።

ብፍላይ ቀፃሊ ስምምዕ ንምፍጣር ዝተመስረተ ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ዘካየዶ ስራሕ ሃገራዊ ሓድነት ንምድልዳል ዓቢ ተስፋ ከም ዝፈጠረ ኣብሪሆም።

ካብ ህዝቢ ዝለዓሉ ሕቶታት መሰረተ ልምዓት፣ ከምኡ’ውን ጉዳያት ፀጥታን ድሕነትን ብዝምልከት ምስ ፈፃሚ ኣካላት መንግስቲ ብቐረባ ክትትል ይግበር ከምዘሎ ገሊፆም።

ብጉድለት ኣፈፃፅማ ወይ ድማ ብሕፅረት ሓላፍነት ኣብ ልዕሊ ዝርኣዩ ኣብያተ ፅሕፈት ተሓታትነት ዘረጋግፅ ግልፂ ስርዓት ስራሕ ከምዝተዘርግሐ ሓቢሮም።

7ይ ሃገራዊ ሓፈሻዊ ምርጫ ከም ሃገር ዓቢ ዓወት ተመዝጊቡ እዩ። ብዙሓት መራፅቲ ንኽሳተፉ እቲ ቤት ምኽሪ ሰፊሕ ምድላዋት ከምዝገበረ፣ ነቲ ዝተመዝገበ ውፅኢት ድማ ቤት ፅሕፈት እቲ ባይቶን ኮሚቴ ሪፎርምን ዓቢ ኣስተዋፅኦ ከምዝነበሮም ኣብሪሆም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment