ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዘካየዶ መበል 54 ስሩዕ ኣኼባ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ ዘመሓላለፎም ውሳነታት ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።

  1. እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ክልተ ስምምዕነታት ልቓሕን ሓገዝን ፋይናንስ ዝተዛተየ እንትኸውን፡፡ ፈላማይ ንትልሚ መመሓሺ ሃገር በቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚ ንምፍፃም ዝውዕል ካብ ኤጀንሲ ልምዓት ፈረንሳይ ስምምዕነት ሰማንያ ሚሊዮን (80,000,000) ዩሮ ልቓሕ ኢዩ፡፡

ካልኣይ ድማ ንትሑት ናይ ገፀር ገንዘብ ቀረብ መመሓየሺ ፕሮግራም ዝውዕል ምስ ባንኪ ኢንቨስትመንት ኣውሮፓ ሓደ ሚኢቲን ዓሰርተን ሚሊዮን (110,000,000) ዩሮ ስምምዕነት ልቓሕ ኢዩ፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ ክልቲኦም ስምምት ልቓሕ ምስ ምሕደራ ፖሊሲ ልቓሕ ሃገርና ዝጠዓዓሙ ከምዝኾኑ ብምርግጋፅ ረቀቕቲ ኣዋጃት መፅደቒ ስምምዕነት ልቓሕ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንኽመሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡

  1. ካብዚ ብምቕፃል እቲ ቤት ምኽሪ ዝተዛተየ ኣብ ሃገርና መፍረዪን መቀነባበሪን ዩሪያ ዘበናዊ ዱኽዒ ፋብሪካ ዝምልከት ስምምዕነት ሓለዋ መበረታትዒ ኢንቨስትመንት ኢዩ፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ እውን እቲ ስምምዕነት ናይ መንግስቲ ፖሊሲ ኣንፈት ዝተኸተለ ከምዝኾነ ብምርግጋፅ ሚኒስቴር ገንዘብ ንኽዲፈራረምን ናብ ስራሕ ንኸኣቱ ብሙሉእ ድምፂ ተቐቢሉዎ፡፡

  1. ድሕሪ እዚ ድማ ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ቁልፊ መሰረተ ልምዓታት ድሕንነት ሳይበር ኢዩ፡፡ ኣብ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂን መሰረት ዝገበሩ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት መንግስቲ ብዝሕዙዎም ኢንፎርሜሽናትን ዳታታትን ትኹረት ዝገበሩ መጥቃዕቲታት ሳይበር ኣብ ኢኮኖሚ እታ ሃገር፣ ማሕበራዊ፣ ሰላምን ምርግጋእን ዝፈጥሩዎ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ንምንካይን ንምክልኻልን ስግኣት መሰረት ዝገበረ ቁልፊ መሰረተ ልምዓታት ብምፍላይ ሓለዋን ቁፅፅርን ድሕንነት ሳይበር ምግባር ኣድላዪ ኮይኑ ስለዝተረኸበ እቲ ረቂቅ ኣዋጁ ተሰናዲኡ ቀሪቡ፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ እውን ኣብቲ ረቂቕ ኣዋጅ ምስተዛተየ እታወታት ብምውሳኽ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክመሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡

  1. እቲ ቤት ምኽሪ ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ 6 ዓለም ለኸ ክልተኣዊ ስምምዓት ብምዝታይ ውሳነ አሕሊፉ ኢዩ፡፡
  2. ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ቤት ምኽሪ ዝተዛተየ ኣብ መጣየሺ ደምቢ ኣገልግሎት ባርዕ ሓዊን ሃንደበታዊ ሓደጋታትን ኢትዮጵያ ኢዩ፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ረቂቕ ደምቢ ምስተዛተየ እታወታት ብምውሳኽ ኣብ ፌዴራል ነጋሪት ጋዜጣ ተሓቲሙ ካብ ዝወፅአሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ንኽውዕል ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡

#PMOEthiopia

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment