ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ብምክብባርን ሓበራዊ ተረባሕነትን ዝተመስረተ ዝምድናታት ዘላቒ ምሕዝነት የጠናኽር እዩ ኢሎም ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ፡፡
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብቲ አዋን ኣፍሪካ ብምትሕብባር ሓበራዊ ረብሓ ዝተመስረተ ርክብ ክጣየሽን ብዘይምቁራፅ ክትሓትት ምፅንሓ ኣረዲኦም፡፡
ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ዝተመስረተ ዝምድናታት ዘላቒ ምሕዝነት ከምዘጠናኽር ብምሕባር ከም ኣብነት ምትሕብባር ቻይናን ኣፍሪካን ኣልዒሎም።
ኣብቲ መድረኽ ምስ ፕሬዚዳንት ታዬ ብተወሳኺ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍን ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ጂያንግ ፈንግን ተሳቲፎም።